ምልክት ፕሮፎርማ ይምልክት
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ማዛጋጃ ከተማ መቐለ ናይ ልምዓታዊ ሴፍትኔት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ን ፅሕፈት መሳሪሒ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲርና ዕድጊት ክንፍፅም እንደሊ ። ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ በዚ ዘርፊ ዝተመዝገብኩም ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት ብምምላእ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ፡፡
ዝርዝር ተደለይቲ ረቓሒታት
1. ናይ 2018 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ ፣ዝተሓደሰ መቅረባይነት ፣ ቲን ቁፅሪ ከም ኣድላይነቱ ድማ ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት ከተሓሕዝ ዝኽእል ከምእዉን ሓደ ኦርጅናል ሓደ ኮፒ ምቅራብ ኣለኩም ።፡፡
2. ፕሮፎርማ ካብ ዕለት 13/02/2018 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 24/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ዝፀንሕ ኮይኑ ዕለት 24/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓሺጉ በዕለት 24/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ይኸፈት ፡
3. ተወዳደርቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ናይ ተወዳዳራይ ስም ፣ ፌርማ ፣ ማህተምን ኣድራሽኦምን ብምዕራፍን ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎ ።
4. ሰዓራይ ትካል አሸናፊ ኮይኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 03 መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንብረት ክፍሊ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ ፡፡
5. ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን እዚ ፕሮፎርማ ምስተኸፈተ ን7 ተኸታተልቲ መዓልቲታት ዝፀንሕ ይኸውን ።
6. እዚ ሰነድ ፕሮፎርማ ከም ውዕሊ ከይኑ የገልግል ፡፡
7. ኣብ ከይዲ ፕሮፎርማ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተወዳደርቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ብምግባርን ንቐፃሊ ድማ ኣብ ዕደጋ መንግስቲ ንኸይሳተፉ ክሳብ ምእጋድ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል እዩ ።
8. ተወዳደርቲ ዝበለፀ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ብምምፃእ ምሕታት ይከኣል እዩ ።
9. ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ዋጋ ብፖስታ ዝተዓሸገን ናይ ትካልኩም ማትም ዝዓረፎን ክኾን ኣለዎ ፡፡
10. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ ኣማራፂ እንትረኺቡ ብጨረታ ኣይግደድን ።
11. ናይ መክበሪ ሲፒኦ ኤሌክትሮኒክስ ብር 15.000(ዓስርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር)ንፅሕፈት መሳሪሒ 10.000(ዓሰርተ ሽሕ)የትሕዙ።
12. ንብረት ዝግዝኦሎ ሜላ ዕደጋ ብሎት(ዝተሓተ ድምር) ዝመልእ ኣሸናፊ ይከዉን እዚ ማለት ካብቲ ዝተቀመጠ ዝርዝር መፍለይ ቁፅሪ ወፃኢ ምቅራብ ኣይከኣልን ብተወሳኪ እቶም ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኩሉም ንብረታት ክምላእ ኣለዎ ዝኮነ ክፍቲ(ነፃ) ዝገደፈ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን ፡፡
0344-406747/0344-408501/0344-406839
ድሕሪት