ግልፂ ምልክታ ጨረታ ዕድግት ደምቢ ኸዳኒን ጫማን
ትካልና ይሓ ሪል-እስቴት ናይ ደምቢ ኽዳን ጫማን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ድሌት ዘለኩም ንክትወዳደሩ ይዕድም::
| ተ.ቁ | ዓይነት ጨርቂ | መዐቀኒ | በዝሒ | Brand Name | ናይ ሓደ ዋጋ ምስ ቫቱ | ጠቅላላ ዋጋ ምስ ቫቱ | መብርሂ |
|---|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ቴትሮን 6000 ኢንዶኖዥያ | Pcs | 21 | ||||
| 2 | ዲኬ ናይ ሱፍ ጨርቂ | Pcs | 21 | ||||
| 3 | ሸሚዝ (ውፅእት ፋብርካ) | Pcs | 42 | ||||
| 4 | ጫማ ደቂ ተባዕትዮ ( (ውፅእት ፋብርካ) | Pcs | 34 | ||||
| 5 | ጫማ ደቂ ተባዕትዮ((ውፅእት ፋብርካ) | Pcs | 02 | ንጉዱሱ | |||
| 6 | ጫማ ደቂ ኣንስትዮ ( (ውፅእት ፋብርካ) | Pcs | 6 | ||||
| 7 | ሴፍቲ ጫማ((ውፅእት ፋብርካ) | Pcs | 4 |
መምርሒ ተጫረትቲ
2 ናይ 2017 ግብሪ ዘመን ዝተሓደ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነትን ኮፒ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል
3 ናይ ግብሪ ኸፋሊ መለለዪ ቁፅሪ (TIN) ሰርቲፊኬት ኮፒ ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእል
4 ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነን ሰርቲፊኬት ኣተሓሒዙ ከቅርብ ዝኽእልን
5 እቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ ብንፁር ተዘይተቀሚጡ ምስቫቱ
6 ተጫራታይ መክበሪ ጨረታ ንቀረብ ምሉእ ደምቢ ኽዳን ብር 10,000(ዓሰርተ ሽሕ)፣ ንቐረብ ጫማ ብር 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ)፣ ንቐረብ ሸሚዝ ብር 3,000 (ሰለስተ ሽሕ)፣ ንሕድሕዱ ብስም ይሓ ሪል-እስቴት አስሪሑ ምስ ሰነድ ጨረታ ብሓባር ብኢንቨሎፕ ዓሺጎም ናብ ዝተዳስ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ትካልና ብምምጻእ የእትው
7 አብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫራታይ ዋጋን ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተጠቐሱ ናይ ደምቢ ኸዳን ጫማን መሳርሒታትን ብራንዲታትን ካልኦት ባህርያትን ብዝርዝር ክገልፅ ኣለዎ።
8 ሰዓራይ እዚ ጨረታ ናይ ሕድሕድ ተጠቀምቲ ቅድሚ ሰሪሑ ምዝዛሙ ኮትን ስረን ፕሮዋ (ስፌቱ ዘይተዛዘመ ሞዴል እቲ ኽዳን) ብዓቀኖም መሰረት ድርጅትና ኣምፂኡ ቸክ ከግብር ዝኽእል ንጫማ ድማ ካብ በዓቀኖም መሰረት ከቅርብ ዝኽእል;;
9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 300 እናኸፈልካ ካብ ልና 6ይ ደብሪ ቁፅሪ 8 ምውሳድ ይከኣል
10 እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 6/2/2018 - 17/2/2018 ዓ/ም ኣብ ኣየር ፀኒሑ በቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ፤ሰዓት 4:00 ኣብ ትካልና 6ይ ደብሪ ቁፅሪ 8 ይኽፈት፤
11 እዚ ጨረታ ከም ውዕሊ ኾይኑ እንተገልግል ሰዓራይ ውፅኢት ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 30 ተኸታታሊ መዓልቲ ፅሬት ዘለዎ ንብረት ናብ ትካልና ንብረት ክፍሊ 6ይ ደብሪ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝን መሰል ወፃኢታትን ከረክብ ዝኽእል፤
12 እቲ ዝሰዓረ ትካል/ውልቀ ሰብ)ድሕሪ እቲ ንብረት ምስአረከበ ዋጋ ናይቲ ንብረት ይኽፈል።
13 ተጫራታይ ነቲ ጨረታ ዝሰዓረሉ ኣቑሑት ውዕሊ እንተዘይፈሪሙን ኣብ ዝተወሰነ ናይ ስራሕ መዓልቲ ንብረት ከብፅሕ እንተዘይተሰማሚዑን ዘትሓዞ ሲፒኦ ናብ ሕሳብና አታዊ ኮይኑ ድርጅትና ካሊእ መማረፅ ይወስድ።
14 እቲ ቤት ዕዮ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብኣካል ኣብ ጎኒ ዋና ቤት ፅ/ት ደደቢት ማ/ፋይናንስ ናብ ዝርከብ ድርጅትና መፂእኻ ምሕታት ይከኣል፣ቁፅሪ ቴሌፎን-0344-404253።
ድሕሪት