ምልክታ ጨረታ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ዘገልግሉ ናውትን ግልጋሎትን ሃይድሮፎኒክ (Materials & Services for Hydroponic System Implementation) ዝምልከቶም ትካላት ኣወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም መቕረብቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. VAT ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣
4. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 20,000.00 ከትሕዙ ዝኸእሉ፣
5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
6. እዚ ረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን ኣብቲ ዝእሰር ውዕሊ ብዝንፀር ጊዜ ገደብ ሰሪሑ ከረክብ ዝኽእል፡፡
7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ VAT/TOT ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ VAT/TOT ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
8. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
9. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ሃፀይ ዮሃንስ) 3” ደብሪ ቢሮ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኸፋል ምውሳድ ይከኣል፣
10. ንዝብለፀ ሓበሬታ ዝርዝር መግለፂ ኣብዚ ጨረታ ሰነድ ተተሓሒዙ ይርከብ፣
11. ማ.ል.ት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
12. እዚ ጨረታ ዕለት 19/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡
ድሕሪት