ን 3ይ ግዘ ዝወፀ ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ምሩፃት ዓሌት ኣላሕም ሆልስቴን ፍሪዥያን
ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝማሓደር ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ካብ ዘለወኦ ልዑል ምህርቲ ፀባ ዝህባ ሆልስቴን ፍርዥያን ዓሌት ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ብምኽንያት ዕበት ደንበ ከፍቲ ቀኒሱ ክሸይጥ ስለዝደለየ ንምግዛእ እትደልዩ ኣካላት ዝስዕብ ረቛሒታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፣ በዚ መሰረት
10. ተወዳደርቲ ንተጠቀምቲ ብጨረታ ዝሽየጣ ምሩፃት ኣላሕም ብኣካል ቀሪቦም ብምርኣይ ክገዝእዋ/ወን ዝሓረይዋ/ወን ኣላሕም/ላሕሚ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትዉ ይግባእ፡፡
11. ኣብ ሕድሕድ ላሕሚ ኣብ እዝነን መፍለይ ቁፅሪ ተጌሩለን ስለዘሎ ኣብቲ መወዳደሪ ሰነድ ናይ ዝደልይዋ ላሕሚ መፍለይ ቁፅሪ ዋጋ ብምቕማጥን ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ዝተዳለወ ሳጥን ከእትው ይግባእ፡፡
12. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ዕለት 07/12/2017 ዓ.ም
15/12/2017 ዓ/ም፣ ኣብ ቃላሚኖ ማእኸል ኢንቨስትመንት ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ፡
13. እቲ ጨረታ ዕለት 15/12/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ተዓፅዩ፤ሰዓት 4፡00 ኣብ ትካልና ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብለ ይኸፈት፣
14. ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 10,000.00 /ዓሰርተ ሽሕ/ ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ከትሕዙ ይኸእሉን ፣
15. ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኽፋል ካብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቢሮ ቁፅሪ 2 ዝርከብ ክወስዱ ይኸእሉ ፣
16. ተወዳደርቲ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝግለፀሉ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ሒሳብ ከፊለ ላሕሙ እንተዘይወሲዱ ዘትሐዞ መኸበሪ ጨረታ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ናብ ናይ ትካልና ካዝና ኣታዊ ይግበር፡፡
17. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቅረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣
18. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሰኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 09 00 66 61 49 ምድዋል
ድሕሪት