ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ 2017 በጀት ዓመት ናይ ሰራሕተኛታት ካኪ ጋውን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን ትካላት በዚ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቑሓታት መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቓድ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪTIN/ ናይ 2017 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም ከምኡ እውን ናይ ወርሒ መጋቢት ዲክላረሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ፤
2. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኽበሪ ካብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ፤
3. ናይቲ ንብረት ፅሬትን መጠንን ዝምልከት ትካል ብዘቕረቦ ሳምፕልን ዓቐንን ከቕርቡ ዝኸእሉ፤
4. ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ካብ ዕለት 25/9/17 ዓ.ም ጀሚሩ ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ብር 100/ ሓደ ሚኢቲ/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤
5. ናይ ጨረታ መኽበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ ተገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፤
6. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፈልጥ ይግባእ፤
7. ናይ ጨረታ ሰነድ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት25/9/2017 ዓ.ም እስ ዕለት 10/10/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ኣብ ዘሎግዜ ይኸውን፤
8. ጨረታ ዕለት 10/10/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኽፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ እስካብ ዝተረጋገፀ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝኽፈት ይኸውን፤
9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፤
10. ሰዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ድሕሪ 5 መዓልቲ ኣብ ዘለዉ 5 ተኸታተልቲ መዓልትታ ውሽጢ ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕድርን ቀሪቡ ውዕሊ ክኣስር ይግባእ፤
11. በቲ ኣብ ተራ ቁፅሪ 10 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕሊ ዘይኣሰረ ሰዓሪ ጨረታ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፍለጥ ይግባእ፤
12. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
13. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተተደልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምሕታት ይካኣ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ
ድሕሪት