ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ዞባ ምብራቅ አብ 2008ዓም በጀት ዘመን ን ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ኤለክትሮኒክስን፡ ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑተ፡ ፈርኒቸር(ናይ ገዛን ቢሮን አቁሑት) አወዳዲሩ ዕድጊት ክፍፅም ይደሊ

በዚ መሰረት ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶን መቕረብትን ንክትወዳደሩ ይዕድም

1 ተጫረቲ ተወሳኪ ታክስ ተመዝገብቲ ዝኾኑን ብአዋኑ ዝተሐደሰ ናይ ዘመኑ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን ሓድሽ ናይ መቕረባይ ሰርተፍኬትን ናይ ከፈልቲ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ(TIN) ዋናን ኮፒን ከቅርቡ ዝኽእሉ ክኾኑ አለዎም::

2 ተጫረቲ ብቢሮ ንግድን ኢንዱስትርን ዝርዝር መቅረባይነት ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ ዘቅረብ::

3 ካብ ቤት ፅሕፈት ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ከ/ስ/ዕ/ፋ/ንብ/ ምምሕዳር ቢሮ ቑፅሪ -17 ሰነድ ጨረታ ብምዉሳድ ንተቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድዋጋ ብሸምዒ ብዝተአሸገ ፖስታ ንጨረታ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታዉ ክተወዳደሩ ትኽእሉ::

4 ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ን ኤለክትሮኒክስ 3000 ቅርሺ ንመለዋወጢ አቁሑተ መኪና 3000 ቅርሺ ንፈርኒቸር 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ CPO ካብ ዝተፈለጠ ባነኪ ብዘወሃብ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል::

5 ንዝተትሓዘ መከበሪ ጨረታ ምስ ዝሰዓረ ተጫራታይ ዉዕሊ ድሐሪ ምፍራም ዝተትሓዝ መክበሪ ጨረታ ንዝተሰዓሩ ተጫረቲ ወድያዉኑ ይምለስ::

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ዝርከበሉ ቦታ ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪ 17 ብር 50.00 ብምኽፋል ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኻንኩም ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ካብ 3/08/08 ዓ/ም ጀሚሩ Â ክሳብ 17 /08/ 2008 ዓም ንተጫረቲ ክፍቲ ይከዉን::

7 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 18/08/08 ዓ/ም ሰዓት 2:30 Â ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተከብሉ ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ አብ ዞባ ምብራቕ ምምሕዳር ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪ -17 ይኽፈት::

8 VAT ተመዝገበቲ ናይ ወርሒ መጋቢት 2008 ዓ/ም ቫት ዲክለሬሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ::

9 ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወ ቋንቋ ብትግርኛ ክከዉን አለዎ

10 ዕዳጋ ፈፃሚ አካል ዝሐሸ መነገዲ እነተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

Â

 ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034 445 1887 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::

Backs
Tender Category