ንኻልኣይ ጊዜ ዝወፀ ምልከታ ግልፂ ጨረታ
ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ንዘለዎኦ መካይን ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መለዋወጢ ኣቁሑትን ጎማን መኪና ክዕድግ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ
1. ናይ 2017 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/፣ VAT ተመዝጋቢ ዝኾነን ዲክለር ዝገበረን ፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂ ዘቕርብ፡፡
2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ኣቁሑ ካብ ቢሮና ክፍሊ ዕደጋ ቢሮ ቁፅሪ 110 ካብ ዕለት 07/04/2017 ዓ.ም ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምኽፋል ምውሳድ ይካኣል።
3. ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 5000 /ሓሙሽተ ሺሕ ብር ብሲፒኦ / CPO/ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል /ትኽእል/።
4. እቲ ጨረታ ዕለት 07/04/2017 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 17/04/2017 ስዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ይዕፀዉ "
5. ጨረታ ዕለት 17/04/2017 ሰዓት 4፡00 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም አብ ዘለዉዎ አብ ቢሮ ቁዕሪ 109 ይኽፈት ፡፡
6. ነቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 7 ተኸታተልቲ መዓልቲ ከረክብ ዝክእል።
7. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝን፣ እቲ ንብረት አድላይ ኾይኑ እንተተረኺቡ 20% ናይ ምዉሳኽን ናይ ምቕናስን መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
8. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ኦርጅናልን ኮፒን ፈላሊኹም ንክተእትው ንሕብር።
9. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ።
10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-1476-94-50 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል።
Backs