ምልክታ ፕሮፎርማ ሕዳር - 2017 ዓ.ም
ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልል ትግራይ ኣብ ሓበራዊ ኮምፕሌክስ ህንፃ ግቢ ዙርያ ዝርከብ ሳዕሪን ተኽልታትን ማይ ብቦቲ ብምቕራብ ከስቲ ዝኽእል ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ ፡፡
中 | ዝርዝር መግለፂ | ስፐስፊኬሽን | መቀኒ | በዝሒ ኣብ ሰሙን | ናይ ሓደ ዋጋ | |
---|---|---|---|---|---|---|
ብር | ላን | |||||
1 | ኣብ ኮምፕሌክስ ሓባራዊ ህንፃ ግቢ / ዙርያን ካብ ግቢ ወፃኢ ብቕድሚት መእተዊ በሪ ዝርከብ ተኽልታት ብቦቲ ማይ ብምቕራብ ባዕሉ ዘስቲ | ብሜ 3 | ብሜ3 | 50 ሜ3 ማይ |
በዚ መሰረት እዚ ዝስዕብ ረቛሒ እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
• በቲ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት ክተቕርቡ እትኽእሉ፡
• ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቲን ክተቕርቡ እትኽእሉ፡፡
• ተጫረቲ ሰነድ ፕሮፎርማ ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ሓበራዊ ህንፃ 1ይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንሰን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ካብ ዕለት 24/3/2017 ብምውሳድ ዋጋ መሊእኹም ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ዕለት 27/3/2017 ስዓት 4፡00 ናብ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 59 ዝተዳለወ ሳፁን ኣታዊ ክትገብሩ ትኸእሉ፡፡ እቲ ፕሮፎርማ ስዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ስዓት 4፡30 ይኸፈት፡፡
• እቲ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይኸውን፣
• ስዓራይ ምዃንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም ኣብ ውሽጢ 3 ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ማይ ብምቕራብ እቲ ተኸልታት ከስቲ ዝኸእል፡፡
• ዝቐርብ መጠን ማይ ኣብ ሰሙን ወይ ከም ኩነታቱ ክውስኽ ወይ ክቕንስ ይኸእል እዩ፡፡
• ቢሮና እቲ ፕሮፎርማ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-42-40-01-29 ምሕታት ይከኣል፡፡
Backs