ቑፅሪ ኤ/ስ/ም/ወ/ከ2702/ዕ/ፋ/ን
ዕለት 11/03/2017ዓ/ም
ቑፅሪ ጨ002/2017
ናይ ጨ.ቁ-G-002-3/2017
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ኤጀንሲ ስታቲትሲክስን ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ክልል ትግራይ ካብ ናይ 2017 በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ዓይነት መሳርሒ ፅሕፈትን መኪና ጎማን ባትርን ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት በቶም ዘተገለፁ ዓይነት ኣቑሑት ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩምን ነዞም ዝስዕቡ ረቛሕታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።
1. በቢዘርፉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቅረባይ ሰርቲፊኬትን ፣ተወሳኺ እሴት ታክሲ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዪ ቁፅሪ (TIN)፣ ናይ ሕሉፍ 3 ወርሒ ዲክለር ዝገበረ።
2. ሰዓራይ ትካል ደብዳቤ ካብ ዝበፅሖ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብኣካል ቀሪቡ ውዕል ዝኣስርን ዉዕሊ ዝተኣሰሩ ንብረት ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘቅርብን፣
3. ሰነድ ጨረታ ኣብ ኣየር መሸጣ ዝፀንሓሉ ካብ ዕለት 11/03/2017ዓ/ም - 26/03/2017 ዓ/ም ኸይኑ ዕለት 26/03/2017 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ይክፈት። ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ንፅሕፈት መስርሒ ብር 200.00 (ብር ክልተ ሚእቲ)፣ ንናይ መኪና ጎማን ባትርን ብር 100.00 (ብር ሓደ ሚእቲ) ብB-A 1000538487663 ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ኣታዊ ብምግባር ባንክ ኣድቫይስ ብምሓዝ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ሰነድ ምውሳድ ትክእሉ።
4. እቲ ኤጀንሲ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኽፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
5. ኤጅንሰና ካብ ሕድሕድ ንብረት 20% ምውሳኽ ወይ ምቅናስ ይኽእል እዩ።
6. ኣድራሻ ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ወይዘር ህንፃ 4ይ ደብሪ ኮይኑ ፊት ንፊት ዋና ቤት ፅሕፈት ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት፣
7. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342403254 ኣብ ናይ ሰራሕ ሰዓት ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል፣
Backs