ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ኣድራሻ ክልል ትግራይ ዞባ መቐለ ከተማ ክ/ከተማ ሓወልቲ ንቤትፍርድና ግልጋሎት ዝውዕል ሃላቒ መሳርሒ ፅሕፈትን ተዛመድትን፣ ሃላቒ መሳርሒ ፅሬት፣ናይ ሕትመት መሳርሒ፣ናይ ፈርኒቸር፣ ናይ ቢሮ ሚሽነሪ፣ሳይክል

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቑፅሪ 001/2017 ዓ/ም

ዕለት 25/02/2017 ዓ/ም

ምልክታ ጨረታ

ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ኣድራሻ ክልል ትግራይ ዞባ መቐለ ከተማ ክ/ከተማ ሓወልቲ ንቤትፍርድና ግልጋሎት ዝውዕል ሃላቒ መሳርሒ ፅሕፈትን ተዛመድትን፣ ሃላቒ መሳርሒ ፅሬት፣ናይ ሕትመት መሳርሒ፣ናይ ፈርኒቸር፣ ናይ ቢሮ ሚሽነሪ፣ሳይክል ንበጀት ዓመት 2017 ዓ/ም በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ሕጋዉያን ነጋዶ ብምውድዳር ኣብ ጨረታ ኣሽንፈቲ ምስ ዝኾኑ ኣካላት ሕጋዊ ዉዕሊ ኣሲሩ ዕደጋ ከካይድ ስለ ዝደሊ እዞም ዝስዕቡ ሮቓሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንዉድድር ይዕድም፡፡

ግልፂ ጨረታ ምድብ 001/01/2017 ሃለቒ መሳርሒ ፅሕፈትኣቑሑትን ተዛመድትን፣

ግልፂ ጨረታ ምድብ 001/02/2017 ሃለቒ መሳርሒ ፅሬትንኣቑሑት ተዛመድትን፣

ግልፂ ጨረታ ምድብ 001/03/2017 ናይ ቢሮ ሜሽነሪ ናዉትን ተዛመድትን፣

ግልፂ ጨረታ ምድብ 001/04/2017 ሃለቒ ሕትመት መሳርሒ ተዛመድትን

ግልፂ ጨረታ ምድብ 001/05/2017 ተዋሚ ንብረት ፈርኒቸር መሳርሒ፣ሳይክልን ተዛመድትን

መምርሒ ተጫረቲ

1. በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም/ዎን/፣ መለለይ ቑፅሪ ግብሪ ከፋሊ TIN ዘለዎ፣ ተወሳኺ እሴት ታክስ VAT ተመዝጋቢ ዝኾነን መረዳእታ ዘቕረቡን ክወዳደሩ ይኽእሉ፣

2. ርኸኸብ ንብረት ዝግበረሉ ቦታ ኣብ ከተማ መቐለ ይኸዉን፣

3. ኣብቲ ጨረታ ኣሽናፊ ዝኾነ ተወዳዳሪ በቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ናይ ምቕራብ ዝቐረቡ ኣቑሑት ብሰብ ሞያ ናይ ምርግጋዕ ሓላፍነት ዝወስድ ኣፈቲሹ ኣረጋጊፁ ዘቕርብ (ዘረክብ፣

4. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ እዋን ካብ ዕለት25/02/2017ዓ/ምክሳ ብዕለት 10/03/2017 ንተኸታታሊ 15ተ መዓልቲ ኣብ ኣየር ይፀንሕ፣

5. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት10/03/2017 ዓ/ም ስዓት 3፡30 ንጉሆ

6. ጨረታዝኸፈተሉ ዕለት10/03/2017ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ንጉሆ

7. ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ከተማ መቐለ ማእከላይ ቤት ፍርዲ ቑፅሪ 18 ዘይምለስ ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ /ብር ጥራሕ እንዳኸፈሎ ሰነድ ጨረታ ምግዛእ ይኽእሉ፣

8. ተወዳደርቲ መኽበሪ ጨረታ ብር=5,000.00(ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ጥራሕ/ ንሕድሕድ ጨረታ/ሎት፣ምድብ/ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO)፣ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ቸክ፣ጥረ-ገንዘብ ከትሕዙ ዝኽእሉ፣

9. ሰነድ ጨረታ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 25/02/2017ዓ/ም ክሳብ ዕለት 10/03/2017ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ንጉሆ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ስዓት ኣብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቀለ ክፍሊ ቁፅሪ 18 ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ይግበር፣

10. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ ዋጋን ካልኦት ሰነዳት ብቛንቛ ትግርኛ ይኸዉን፣

11. ተወዳድርቲ ቤት ፍርድና ንዝሓቶም መረዳእታት ዋና ቕዳሕን መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

12. ቤት ፅሕፈትና ኣብ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ኣይትም 20% ናይ ምዉሳኸ ወይ ምቕናስ መሰል ኣለዎ፣

13. ኣብ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኾኑ ተወዳደርቲ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰርሉ መዓልቲ ጀሚሩ ንስራሕቲ ሕትመት 20 መዓልቲ፣ ንዝተረፉ ኣብ ዉሽጢ 10† ተኸታታሊ መዓልቲ ኣብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከተማ መቐለ ገጢሞም /ሞኪሮም/ ከረክቡ ዝኽእሉ፣

14. ተወዳደርቲ ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ መሰረት ብሕድ ሕድ ዘርፈ ምድብ ዋጋ መሊኦም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ሳንዱቕ ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም፣

15. ቤት ፍርድና እዚ ረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝመሰሉ ሕልዊ እዪ፣

16. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914260123/0914705506/0914106968 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

Backs
Tender Category