ቑፅሪ ጉደ/---21---/8-2/17
ዕለት 22/02/2017 ዓ/ም
ምልክታ ቁፅሪ 01 ጨረታ
ቢሮ ጉዳይ ደቂ አንስትዮ ክልል ትግራይ ካብ 3ይ ደረጃ ንላዕሊ ዘለዉ ጋራዣት ብጨረታ አወዳዲሩ ናይ ዒድ ዋጋ /ሞያ ዋጋ/ ምስ ዘሸነፈትካል ዉዕሊ ከአስር ስለዝተደለየ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
ኣብቲ ጨረታ ክሳተፋ ዝደለዩ ተጫረቲ ምልክታ ካብ ዝወፅሉ ዕለት 22/2/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/03/2017 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓታት ሰነድ ጨረታ ካብ ቢሮና 100/ሓደ ሚኢቲ ቅርሺ/ እናገዛአኹም ክትወስዱት ኸእሉ።
1. ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ 5000 ብ C.P.O ከቕርብ ዝክእል ተጫረቲ ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ናይ መቕረባይነት መታወቂያ ናይ ግብሪ ከፋላይነት (TIN መረዳእታ VAI ተመዝጋባይ ዝኮነ / ጨረታ ተጫረቲ ዝጫረትሉ ዋጋ ብቢሮ ኣብ ዝተዳለወ ዋጋ መቕረቢ ቕጥዒ ብምምላእ ብፖስታ ብምዕሻግ ናይ ድርጅ ትኹም ክቢ ማሕተም ብምጥቃም አብቲ ዝተገለፀ ግዜ ኣብ ቢሮና ኮምፕሌክስ ህንፃ 4ይ ብሎክ 4ይ ፎቅ ቁፅሪ 228 ናብ ዝርከብ ሳንዱቕ ጨረታ ክተኣትዉ ምኻኑኩም ንገልፅ ።
2. ተጫራታይ ንዝሰዓሮም ናይ ጉልበት ዋጋ ምስ ዘሸነፈ ትካል ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ ዝክእሉ
3. እቲ ጨረታ ጥቅምቲ 22/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሕዳር 02/03/2017 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት ወይ ድማ ሙሉእ ደኩመንቶም አሽጎም እንተቅሪቦም ብአካል ኣብዘ ይተረኸብሉ ዝኸፈት ምኻኑ ንገልፅ።
4. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዊ ዩ።
5. ቤት ዕዮ ጨረታ ሰዓራይ አብ ዝመርፀሉ ግዜ ካብቱ ዝቀረበ ናይ ጉልበት ዋጋ ፋይናንሻል ሓፈሻዊ ድምር ዉፅዒት ሰዓራይ ይምረፅ
6. ኣብቲ ትመልእዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸዉን ኣለዎ።
7. እቲ ጨረታ ኣብቲ ዋጋ መምልኢ ስርዝ ድልዝ ተሓሊዎ ካብቲ ጨረታ ይስረዝ ንተወሳኺ ሓበሬታ ቑፅሪ ስልኪ 0344410504 ምጥቃም ይከኣል
Backs