ንቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ግልጋሎት ፖስተኛን ሞተረኛ ብናይ ደገ(Out Source) ዝወፁ ብፕሮፎርማ ክግልገል ይደሊ።
  • Posted Date: ሶኒ ጥቅምቲ 11, 2017 (2 months ago)
  • Closing Date: ረቡዕ ጥቅምቲ 13, 2017 08:30 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:
  • Bid Opening Date: ረቡዕ ጥቅምቲ 13, 2017 09:00 Afternoon
  • Transport Services/
  • Print
  • Pdf

ፕሮፎርማ ቑፅሪ 7/2017

ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝርዝር ተደላይ ዝመልእዎ መወዳደሪ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ ነዚ ቅጥዒ ዝመለአ ነጋዳይ

ንቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ግልጋሎት ፖስተኛን ሞተረኛ ብናይ ደገ(Out Source) ዝወፁ ብፕሮፎርማ ክግልገል ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ ምኻንኩም ንገልፅ፡፡

➢ በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ፣

➢ ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ/TIN/ ዘለዎ ምኻኑ መረዳእታ ዘቕርብ ፣

➢ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል፡

➢ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ናብ ቢሮ ፍትሒ ብምቅራብ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅርኹምን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ኮፒ ብሙሉእ ክትገብሩዎ ነተሓሳስብ፡፡ ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና

መወዳደሪኹም ሽምን ፊርማን፣ ኣድራሻን ናይ ትኻልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት-11/02/2017 ዓ/ም ክሳብ 13/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ክተቕርቡ/ክትወዳደሩ ትኽእሉ። እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 13/02/2017 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳር ቢሮቑፅሪ 317ይኽፈት፡፡

➢ ቢሮና ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ክምላእ ይግባእ።

➢ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ፡፡

➢ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፈርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

➢ ሰዓራይ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ _ 3 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል

➢ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተኣገደ እግዱ ከይተልዓለሉ ክወዳደር ኣይኽእልን።

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03444173 48 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል

ፕሮፎርማ ፖስተኛን ሞተረኛ ዝርዝር ተደላይ ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ

ዓይነት ንብረትእስፐስፊኬሽንመለክዒበዝሒናይ ሓደ ዋጋጠ/ዋጋ
ብርብር
1ዝትርጎሙ ፅሑፋት ናብ ዝተርጎመሉ ቦታ ምምልላስብፅሬትን ብግዜንብቁፅሪ01
2ካብ መቕረብቲ ጋዜጣ ናብ ቢሮ ጋዜጣ ምምፃእብፅሬትን ብግዜንብቑፅሪ01
3ካብ ቢሮ ፍትሒ ናብ ኣብያተ ዕዮ ደብዳቤታት ምብፃሕብፅሬትን ብግዜንብቑፅሪ01
4ኣብ ውሽጢ ቢሮና ናብ ዳይሬክትሬታት ደብዳቤታትብፅሬትን ብግዜንብቑፅሪ01
Backs
Tender Category