ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ግልጋሎት ዝውዕል ፀባን እንቋቁሖን ብግልጺ ጨረታ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።
  • Posted Date: ሓሙስ መስከረም 30, 2017 (3 months ago)
  • Closing Date: ሶኒ ጥቅምቲ 4, 2017 03:30 Morning (closed)
  • Bid Bond:50,000
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:150.00
  • Bid Opening Date: ሶኒ ጥቅምቲ 4, 2017 04:00 Morning
  • Food Items Supply/
  • Print
  • Pdf

ንሳልሳይ ጊዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ንምግብነት ግልጋሎት ዝውዕል ፀባን እንቋቁሖን ብግልጺ ጨረታ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡

1) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ኣድላዪ ዘበለ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ።

2) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ኑጹር ዋጋ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ከረክቡ ይግባእ።

3) ተጫረቲ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 30/01/2017 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 04/ 21/2017 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።

4) ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻል ስፐስፌኬሽን በቢ በይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ።

5) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።

6) ናይ እንቋቁሖ እቲ ጨረታ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 04/02/2017 ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ 4፡00 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 4:30 ሰዓት ይኽፈት።

7) ናይ ፀባ እቲ ጨረታ ተጫረትቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 04/02/2017ዓ/ም ቴክኒካል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ 9፡00 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ድማ 9:30 ሰዓት ይኽፈት።

8) ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።

9) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150 (ሓደ ሚኢቲ ንሓምሳ) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና

ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

10) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቑፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።

11) ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ።

12) ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኹም ብጥንቃቄ ክትመልኡ ይግባእ።

13) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።

Backs
Tender Category