ቑፅሪ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር/156/ሀ-01
ዕለት 28/01/2017 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ 02/2017 ዓ/ም
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ/
1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘፈር ዘለኩም።
2/ ናይ ግብሪ ከፈላይነት መፍለዪ ቁፅሪ /TIN/ ዘለኩም።
3/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቕረባይነት ዘለኩም ።
4/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።
5/ ዝቐርቡ መረዳእታታት ኮፒ ብግልፂ ዝንበቡ( ዝረአዩ ) ክኾኑ ኣለዎም።
6/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ ካብ ዕለት 28/01/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 30/01/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 08 ዳይሬክቶሬት/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን መፂእኹም ምዉሳድ ትኽእሉ።
7/ እቲ ፕሮፎርማ ዕለት 01/02/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4:00 ኣብ መቐለ ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ቁፅሪ 08 ይኽፈት።
8/ ተጫረቲ እዚ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ተጫረቲ ብዘይምርካቦም
ግን እቲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን።
9/ ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ካብ ዝተገለፀልኩም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3' ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝሰዓርኩሙዎ ንብረት ኣታዊ ክትገብሩ ኣለኩም።
10/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
11/ ዋጋ ፀኒዑዝፀንሓሉ ጊዜ ጨረታ ፕሮፎርማ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን7' ተኸታተልቲ መዓልታት ይኸውን፡፡
12/ ኣብ ናይ ፕሮፎርማ ቅጥዒ ካብ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ምፅሓፍ ፣ስርዝ ድልዝ ምግባር ከምኡ እውን ተመሳሳሊ ብዝብል ምምላእ ኣይፍቀድን "
13/ ኮሌጅና ካብ ዘዳለዎ ሰነድ ጨረታ ወፃኢ ብናይ ባዕልኻ ሰነድ መሊእኻ ምምፃእ (ምእታው) ኣይከኣልን።
14/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45-92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ፡፡
ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቕሑት ነጋዶ ዝመልኡዎ ነፀላ ዋጋ
ተ. | ዓይነትንብረት | ሞዴል | መፍለዪ ቁፅሪ /Spasfication/ | መለክዒ /Unit/ | በዝሒ /Quantity/ | ነፀላ ዋጋ | መብር | |
---|---|---|---|---|---|---|---|---|
ብር | ሳ | |||||||
1 | ቤሪንግ ኣሰይ/ Centre Assy/ | LAN 25 | 37230-OLO30 | Set | 01 | |||
2 | Cable Assy Parking Brake No 3 | KDH2 | 46430-26440 | Set | 01 | |||
3 | Cable Assy Parking Brake No 1 | KDH2 | 46410 26500 | Set | 01 | |||
4 | Derm Rear | KDH2 | 42431-26190 | pcs | 02 | |||
5 | Spader kite | KDH2 | 04371-60100 | Set | 02 | |||
6 | ኦይል ፊልተር | KDH2 | 90915-YZZD2 | pcs | 01 | |||
7 | ፊውል ፊልተር | KDH2 | 23390-OLO10 | pcs | 01 | |||
8 | Link Assy String | KDH2 | 44200-26530 | Set | 01 |
መወዳደሪ ዋጋ ዝመልእ ነጋዳይ ዕደጋ ፈጻሚ ኣካል
ሽም - ኮሌጅ ፖሌ ቴክኒክ መቐለ
ፊርማ ስ.ቁ 0344404592
Backs