ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ቀለብ ዝውዕል ጣፍ ዝርዝር ዓይነቱን መጠኑን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ኣሪቱ ክገዝእ ይደሊ።
  • Posted Date: ቀዳም መስከረም 18, 2017 (3 months ago)
  • Closing Date: ሰሉስ ጥቅምቲ 5, 2017 04:00 Morning (closed)
  • Bid Bond:50,000
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:100.00
  • Bid Opening Date: ሰሉስ ጥቅምቲ 5, 2017 04:30 Morning
  • Food Items Supply/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ቀለብ ዝውዕል ጣፍ ዝርዝር ዓይነቱን መጠኑን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ኣሪቱ ክገዝእ ይደሊ።

እዞም ዝስዕቡ ረቋሓታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሱ፣ በቲ ዘርፊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ቲኦቲ ዘቅርቡ ኮይኖም ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2. ተጫረቲ ኣብ ዘእትውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ቲኦቲ ከይሓወሰ ንሓደ ዝሸጥዎ ዋጋ ጥራሕ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ከረክቡ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ብ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 15/01/2017 ዓ/ም ጀሚረኩም ክሳብ ዕለት 05/02/2017 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።

4. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ቀረብ ብዝተኣዘዘ ግዘ፣መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸውን ይግባእ ፡፡

5. ተጫረቲ ኣብ ዝረትሉ ሰዓት ሳምፕል ሒዞም ክመፁ ይግባእ።

6. እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዕለት 05/02/2017 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ይኸፈት፡፡

7. ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ብማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

8. ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኸፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ፡፡

9. ተጫረቲ ማሕተም ዘለዎ ሙሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም ፡፡

10. ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ቀረብ ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ብውዕሉ መሰረት ኣታዊ ምግባር ይጅምር ፡፡

11. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ከዓ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

12. ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዎ ጌጋ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም ብጥንቃቐ ክትመልኡ ይግባእ፡፡

Backs
Tender Category