ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይ ከተማ እንትጮ ኣብ ናይ 2017 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ንብረት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደለየ ዝርዝር ዝዕደጉ ንብረታት ናይ ፕላምፒንግ /ባንባ ኣቁሑን/፣እሌክትሪኒክስ ኣቁሑን ፅሕፈት መሳርሕን ኢለትርክ ኣቁሑን ኮይኖም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘረዘሩ ረቃሒ ክተማልኡ ይፃባእ ፣
1/ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎን ንተቅረብዎ ንብረት ፊት ዝገብር ንግዲ ፍቃድ ምቅራብ እትክእሉን ናይ እተቅርብዎ ንብረት ንምቅራብ ፍቃድ ዘለኩምን ቲን ናምበር ኣብ ናይ መንግስቲ ዕድጊት ናይ ምስታፍ ፍቃድ ወይ ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዘለኩምን ናይዚ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከትሕዝ ዝክእል ፣፣
2/ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ሓምለ 2016 ዓ/ም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ ሪፖርት መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
3/ ኣብዚ መወዳደሪ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ስርዝ ድልዝ ዘየብሉ ብምምላእ ናይ በዓል ዋና ንግዲ ፍቃድ ወይ ሕጋዊ ወኪል
ፈሪሙ ማህተም ክገብረሉ ኣለዎ፣፣ኣብዚ ስርዝ ድልዝ ወይ ዝተዋቀዐ ዋጋ እንተተመሊኡ ካብ ውድድር ወፃኢ ይከውን ፣፣
4/ እቶም ዝግዝኡ ንብረታት ዝተፈላለዩ ንብረታት ኮይኖም መክበሪ ጨረታ ብሓደ ንግድ ዘርፍ ንዝሳተፍ ነጋዳይ ዘትሕዞ መክበሪ ጨረታ 10000/ዓሰርተ ሽሕ/ብርጥረገንዘብ ወይ ብስም ከተማ እንትጮ ማይ ግልጋሎት ዝተሰርሐ ስፒኦ ከትሕዙ ዝክእሉ ፣፣
5/ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐለ ካብ 14/01/2017 ዓ/ም ክሳብ 28/01/2017 ዓ/ም ስዓት 6፡00 ንጎሆ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሕ እንትከውን ኣብ ከተማ እንትጮ ማይ ግልጋሎት ደ/ከይ/ስራ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 4 ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ዘይምለስ 200 /ክልተ ሚኢቲ ቅርሺ ብምክፋል ክትዕድጉ እናሓበርና ዕለት28/1/2017 ዓ/ም ስዓት 60፣05 ንጎሆ ተዓዕዩ ዕለተ ንሱ 8:00 ስዓት ድ/ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ፣፣ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም እንተዘይ ተረኪቦም ቤት ዕዮና ረታ ፖስታ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣፣
6/ ኣብዚ ጨረታ ሰነድ ምዝባዕ ምጭብርባር ዝፈተነ ተወዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ኮይኑ ንቀፃሊ ኣብ ናይ ዕድጊት መንግስቲ ንከይሳተፍ ብምግባር ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ከም ዝውረስን ክፍለጥ ይግባእ ፣፣
7/ ሰዓራይ ምካኑ ምስ ተፈለጠ ውዕል ዝኣሰረሉ ቅጥዒ ውዕል ኣብዚ ሰነድ ተተሓይዙ ዝቀርብ እንትከውን ኣብቲ ውዕል ተካቲቶም ዘለው ዝኣምንሉ ምካኖም ፈርማን ማህተምን ክገብርሉ ተገይሩ ሰዓራይ ንምካኑ ብደብዳቤ ወይ ኣብ ሰነዶም ብዝተፀሓፈስልኪ ቁፅሪ ካብ ዝተነገሮም 3ተ መዓልቲ ናይ ቅሬታ ግዜ
ምስተወደአ ድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ 3ተ ስራሕ መዓልቲ ናብ ቤት ፅሕፈትና ብምቅራብ ውዕል ክኣስርን መክበሪ ውዕል ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ
ኣለዎ ኣብቲ ዝተገለፀ መዓልቲ ውዕል እንተዘይ ኣሲሩ ዘትሐዞ ናይ መክበሪ ጨረታ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይከውን
1/ ኣብ ዝቀረቡ ዋጋ ዝተመርኮሰ መፍለይ ሰዓራይ ዋጋን ዕሬት ንብረትን ማዕረ እንተኮይኖም ብዕጫ ዝፍፀም ምካኑ ክፍለጥ ኣለዎ፣፣
እዚ ጨረታ ሰነድ ዝመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን ንተከታታሊ 60 መዓልቲ ይከውን
2/ እዚ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናልን ኮፕን ነንበይኖም ኮይኖምስምን ኣድራሻን ብምፅሓፍ ፈርማን ማህተምን ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
3/ ሰዓራይ ውዕል ምስ ኣሰረ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ማይን ፈሳስን ብምቅራብ ዕሬት እቲ ንብረት ብባዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ኣታዊ ይገብር ፣፣ዝቀርብ ንብረት ካብቲ ዝተኣዘዘ መሰፈርቲ ወፃኢ እንተኮይኑ ከም ዘይንቅበል ፈሊጡ ዝዳደር ክከውን ኣለዎ
2/ ቤት ፅሕፈትና ካብ ኣብ ሰነድ ጨረታ ተቀሚጦም ዘለው ዝርዝር ኣቅሓ ነንሕድሕዶም 20% ነንሕድሕዶም ምውሳክ ወይ ምቅናስ ከም ዝክእል ክፍለጥ ይግባእ
13/ ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ይኩን ካልኦት መብርሂ ኣብ ዝተደለየሉ ግዜ / 0918167263 /ወይ 0914763430 ምድዋል ይካኣል
4/ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ወይንም ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣፣
Backs