ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ አብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ስፔር ፓርት አቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ፡
  • Posted Date: ሓሙስ መስከረም 9, 2017 (17 Days)
  • Closing Date: ሓሙስ መስከረም 23, 2017 04:00 Morning (closed)
  • Bid Bond:6000.00
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:200.00
  • Bid Opening Date: ሓሙስ መስከረም 23, 2017 04:30 Morning
  • Car Spare Part/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ግልፂ ጨረታ 

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ አብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ መኪና ስፔር ፓርት አቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ፡ በዚ መሰረት

• ናይ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቓድን መቕረባይነት ዘለኩም፡፡

• ናይ ግብሪ ካፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TI/ መረዳእታ ክተቐርቡ እትኽእሉ

• ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ሰነ 2016 ዓ/ም ቫት ዲክለረ ዝገበርኩምን።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሰረት መሊኡ ከቅርብ አለዎ፡፡

• መቕረብቲ ካብ ዕለት 08/01/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 22/01/2017 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11:30 ዘይምለስ ብር 200/ክልተ ምኢቲ / ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ብምውሳድን ኣብ ዝተዳለወ ሳሁን ምእታዉ ይከአል፡፡

• መኸበሪ ጨረታ ብር 6000/ ሽድሽተ ሽሕ/ኮይኑ ከም ምርጫ ናይቲ ተጫራታይ ካብዞም ዝስዕቡ ሓዲኡ ክኸውን ይኽእል፡

                     ሀ. ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና

                     ለ. ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስና

                     ሐ. ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ቅድሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ከትሕዙ አለዎም

• ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 23/01/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኮይኑ፣ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይኽፈት፡፡

• ተጫረቲ ወይም ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኽፋት ዝዓግቶ የለን፡፡

• ዘድሊ በዝሒ ደኩመንት ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ በበይኖም ተዓሽጎም ከቅርብ አለዎ

• ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 መዓልቲ እዩ፡፡ ተጫረቲእቲ ዘቅርብዎዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም ኣብቲ ኤመሓትኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ክመልኡ ኣለዎም። አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር አይፍቀድን ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ማህተም ናይ ድርጅቱኩም ከዓርፎ ኣሎዎ

• ኤ.መ.ሓ.ት ዝሓሸ አማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ።

• ካብ መንግስቲ መቕረባይነት ዝተኣገደ ዝኾነ ይኹን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን ፣ ኣድራሻ- ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ 1ይ ደብሪ ቑዕሪ -ቢሮ105 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን።

• ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342406380 ምርካብ ይከኣል።

Backs
Tender Category