ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፍትሒ ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕል ትርጉም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርናትርጉም ግልጋሎት ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ።
  • Posted Date: ቀዳም ነሓሰ 25, 2016 (20 Days)
  • Closing Date: ሶኒ ነሓሰ 27, 2016 03:30 Morning (closed)
  • Bid Bond:2,000
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:50.00
  • Bid Opening Date: ሶኒ ነሓሰ 27, 2016 04:00 Morning
  • Translations/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንቤት ፅሕፈት ፍትሒ ከተማ መቐለ ግልጋሎታት ዝውዕል ትርጉም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርናትርጉም ግልጋሎት ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ መቅረባይነት ዘለዎምን ከቅርቡ ዝኽእሉን ።

2. መኸበሪ ጨረታ ብር 2,000 (ከለተ ሸሐ ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ(cpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቀለ ስም ከትሕዙ ዝኽእሉ ።

3. ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅአሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 50 ሓምሳ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።

4. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ከቅርቡ ኣለዎም ።

5. ጨረታ ካብ ዕለት 24/12/2016 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 4/13/2016 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኸፈት።

6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 034  ይኽፈት ።

7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።

8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ

9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።

10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ወይ ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።

11. ኣድራሻና ኣብ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ህንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።

12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።

13. እዚ ጨረታ ኣሸናፊኮይኑውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30/10/2016ዓ/ም ውዕሊ ዝእሰር ይኸውን ።

14. እዚ ውድድር ዝካየድ ብጥቅላለ ድምር ምኻኑ ነፍልጥ ክፍቲ ዝገበራ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ዝግበር ምኻኑ ነፍልጥ ።

Backs
Tender Category