ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕል ፕላስቲክ ጠረቤዛን ፕላስቲክ ወንበርን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
  • Posted Date: ረቡዕ ነሓሰ 8, 2016 (about 1 month ago)
  • Closing Date: ረቡዕ ነሓሰ 22, 2016 08:30 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:6,000.00
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:100.00
  • Bid Opening Date: ረቡዕ ነሓሰ 22, 2016 09:00 Afternoon
  • Stationery Supplies/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳረሒ አቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2016 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ሻት ወይ IOI ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2016 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2016 ዓ.ም፣

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ(CPO) ብር 6,000.00 ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ
150 ቑፅሪ 4 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 100.00 ብምኽፋል
ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት 22/12/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ኩሎም ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት፡፡

Backs
Tender Category