ትካልና ዲ.ቢ.ኤል ሓ/ዝ//ማሕበር ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ኩሓ ዝተጣየሸ ናይ ዓለባን ጨርቃ መርቅን ፋብሪካ እንትኸውን ፣ ጨርቅን ካልኦት ተመሳሰልቲ እታወታትን ካብ ደገ እንዳእተወ ምህርቱ ንደገ ሰደድ ኣብ ምግባር ተዋፊሩ ዝነበረ ትካል እንትኸውን ኣብ ክልልና ብዝተወለዐ ኩናት ምኽንያት እቲ ፋብሪካ ብዝገጠሞ ከቢድ ዕንወት ንዝሓለፉ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ምንም ዓይነት ፍርያት ከፍርዩ ዘይኻኣለን ሙሉእ ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝኾነን ትካል እዩ ።
  • Posted Date: ዓርቢ ሓምለ 26, 2016 (about 1 month ago)
  • Closing Date: ሓሙስ ነሓሰ 2, 2016 04:00 Morning (closed)
  • Bid Bond:100,000
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:
  • Bid Opening Date: ሓሙስ ነሓሰ 2, 2016 04:30 Morning
  • Other Sale/ Textiles and Wearing/
  • Print
  • Pdf

ናይ ጨርቂ መሸጣ ጨረታ

ትካልና ዲ.ቢ.ኤል ሓ/ዝ//ማሕበር ኣብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ኩሓ ዝተጣየሸ ናይ ዓለባን ጨርቃ መርቅን ፋብሪካ እንትኸውን ፣ ጨርቅን ካልኦት ተመሳሰልቲ እታወታትን ካብ ደገ እንዳእተወ ምህርቱ ንደገ ሰደድ ኣብ ምግባር ተዋፊሩ ዝነበረ ትካል እንትኸውን ኣብ ክልልና ብዝተወለዐ ኩናት ምኽንያት እቲ ፋብሪካ ብዝገጠሞ ከቢድ ዕንወት ንዝሓለፉ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ምንም ዓይነት ፍርያት ከፍርዩ ዘይኻኣለን ሙሉእ ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝኾነን ትካል እዩ ።

ስለዝኾነ ድማ ንናይ ባዕሉ ከይዲ ምህርቲን ናይ ደገ መሸጣን ዕላማ ተባሂሎም ካብ ደገ ዝኣተዉ መጠኑ ካብ 45-55 ቶን ዝኸውን ቅሉም ጨርቂ (finishaed knitted fabric) ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደሊ ኣብ ታሕቲ ዝተጠቐሱ ረቋሒታት ተማልኡ ተጫረቲ ንክትሳተፉ ይዕድም።

I. ዓይነት ንጨረታ ዝቐረቡ ንብረታት

1. ዝተቐለመ ጨርቂ (finishaed kitted fabric)

II. ክማልኡ ዝግበኦም ናይ ጨረታ ረቋሕታት

1. ኣብ ጨርቃ መርቂ ናይ ስራሕ ዘርፊ ዝተሰማረዩን ናይ 2015-2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓደ ዘለዎን ናይ VATን IINን ሰርቲፊኬት ከቕርብ ዝኽእል፤

2. ተጫራታይ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብናይ ትካልና ሽም DB Industries PLC (ዲ.ቢ.ኤል ሓ/ዝ//ማሕበር) ብባንኪ ዝተመስከረሉ ናይ ብር 100,000 (ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር ) CPO ከቕርብ ዝኽእል፤ እቲ ዘትሐዝዎ CPO እቲ ጨረታ ምሰ ተኸፈተ ብዘየካ ካብ 1-3 ዝወፁ ተጫረትቲ እቶም ዝተስዓሩ ተጫረትቲ እቲ ዘትሐዝዎ CPO ሽፁ ንሽዑ ይምለሰሎም።

3. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 2,000 ( ክልተ ሽሕ ብር) ብምክፋል ኩሓ ፣ መንገዲ ማይ መክደን ፊት ንፊት ፋብሪካ ደስታ ኣረቂ ካብ ዝርከብ ትካልና ወይ ድማ ኣብ ከተማ መቐለ ክልል ቢሮ ህንፃ (ፍትሒ ቢሮ) ፊት ንፊት ኣብ ዝርከብ ሪፍት ቫሊ ዩንቨርስቲ ዝነበረሉ ህንፃ ኣብ እግሪ እቲ ህንፃ ቢግ ቢዝነስ ሰንተር (ፎቶ ኮፒ) ብምኻድ ሰንበት ሓዊሱ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ምግዛእ ይኽእሉ።

4. ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሽወጠሉ ዕለት ካብ 26/11/2016 ዓ/ም ክሳብ 01/12/2016 ዓ/ም ካብ ሰዓት 2:00 ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቐትሪ ይኸውን ።

5. ተረትቲ እቲ ናይ ዋጋ መቕረቢ ሰነድን ካልኦት ረቋሓታትን ማለት እውን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣VATን IIን ሰርቲፊኬት ኮፒ ከምኡ'ውን ናይ ጨረታ መኽበሪ CPO ብኣግባቡ ብምምላእ ኣብ ሓደ ፖስታ ብምዕሻግ ኩሓ ፣ መንገዲ ማይ መክደን ፊት ንፊት ፋብሪካ ደስታ ኣረቂ ኣብ ዝርከብ ትካልና ኣብ ዝተዘጋጀየ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ክሳብ ዕለት 01/12/2016 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 4:00 ናይ ንግሆ

ከእትዉ ኣለዎም።

6. ሰዓራይ ናይ ዘቕረቦ ጠቕላላ ዋጋ 10 % ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ሰዓት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ብናይ ትካልና ሽም DB Industries PLC (ዲቢኤል ሓ/ዝ//ማሕበር) ካብ ባንኪ ወጋገን ወይ ድማ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ናይ ንብረት መኽበሪ CPO ዘትሕዝ ኽከውን ኣለዎ።

7. ሰዓራይ ውዕሊ ምሰ ኣሰረ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ናይቲ ዝሰዓሮ ንብረት ጠቕላላ ክፍሊት ብሓደ ግዜ ኣታዊ ብምግባር እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርትን ፀዓንትን ኣጓዒዙ ይወስድ። ብውዕሉ መሰረት ሰዓራይ በቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ተፈፃሚ እንተዘይጌሩ እቲ ንንብረት መኽበሪ ዘትሓዞ CPO ንትካልና ኣታዊ ኮይኑ ትካልና ካሊእ መማረፂ ይወስድ።

8. ተጫረቲ እቲ ንጨረታ ዝቐረበ ናይ ንብርት ዓይነት (Sample) ምርኣይ እንተደልዮም ኩሓ ፣ መንገዲ ማይ መክደን ፊት ንፊት ፋብሪካ ደስታ ኣረቂ ኣብ ዝርከብ ትካልና ኣብ ስራሕ ሰዓትን መዓልትን ብኣካል ብምኻድ ምርኣይ ይኸኣል እዩ።

9. ጨረታ ብዕለት 02/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንግሆ ተዓፅዩ ብዕለት 02/12/2016 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንግሆ ተጨራቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸበሉ ይኸፈት። ኮይኑ ግና ተጫረቲ እውን እቲ ዝድለ ረቋሒ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተዘይተረኪቡ ክሳብ ዝተማልአ እቲ ዘእተዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ብዘይተረኸበሉ ይኽፈት።

10. ሓደ ተ ራታይ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ምግዛእን ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ዋጋ ምቕራብ ፍፁም ኣይኸኣልን።

11. ተጫረቲ ትካልና ካብ ዘቅረቦ ናይ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ወፃኢ ብካሊእ መልክዕ ዋጋ ምቕራብ ኣይኸኣልን ። ካብ ናይ ትካልና ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ወፃኢ ዘቕርብ ተጫራታይ ካብ ጨረታ ይስረዝ።

12. ናይ ጨረታ መበገሲ ዋጋ ንሓደ ኪ/ግራም ብር 550(ሓሙሽተ ሚኢትን ሓምሳን ብር)VAI ከይሓወሰ ይኸውን።

13. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ንሓደ ኪ/ግ ኮይኑ VAI ሓዊሶም ክቕርቡ ኣለዎም።

14. ተጫረቲ ኣብ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ብጥንቓቐን ብግልፂ ክንበብ ብዝኽእል ከቅምጡ ኣለዎም። ንምንባብ ዘሸግርን ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን።

15. ተጫረቲ ኣብ ናይ ዋጋ መቕረቢ ሰነድ ሙሉእ ሽሞም ፣ ስልኪ ቁፅሮም፣ ኣድራሻኦምን ፊርሞኦምን ናይ ድርጅቶም ማህተምን ከቕምጡ ኣለዎም።

16. ናይ ጨረታ ሰነድ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ ምኅ ኣተወ ምቕያር ፣ ምምላስን ምስትኽኻልን ኣይከኣልን።

17. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

Backs
Tender Category