ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ግልጋሎት ዝውዕል ባኒ መጠኑን ኣሰራርሕኡን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ናይ ባኒ መሰንከቲ ግልጋሎት ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ፡፡
  • Posted Date: ሰሉስ ሰነ 25, 2016 (3 months ago)
  • Closing Date: ሰሉስ ሓምለ 2, 2016 04:00 Morning (closed)
  • Bid Bond:50,000
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:100.00
  • Bid Opening Date: ሰሉስ ሓምለ 2, 2016 04:30 Morning
  • Poultry, Bee & Animal Husbandry/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ግልጋሎት ዝውዕል ባኒ መጠኑን ኣሰራርሕኡን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ናይ ባኒ መሰንከቲ ግልጋሎት ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ፡፡

እዞም ዝስዕቡ ረቋሓታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ኣድላይ ዘበለ ዶክመንት ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2. ተጫረቲ ኣብ ዘእትውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ናይ ሓደ ባኒ መስርሒ ዋጋ ጥራሕ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ከረክቡ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ብ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 20/10/2016 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 04/11/2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ፡፡

4. ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፔስፊኬሽን በቢበይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

5. ተጫረቲ ምስ ቴክኒካል ሰፔስፊኬሽኖም ሳምፕል ሒዞም ክቐርቡ ይግባእ፡፡

6. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ፣መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸውን ይግባእ፡፡

7. እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዕለት 04/11/2016 ዓ/ም ቴክኒካል ስፔስፊኬሽን ቅ/ሰዓት 4፡00 ተዓፅዪ4፡30 እንትኸፈት እቲ ፋይናንሻል ስፔስፊኬሽን ድማ 8፡00 ይኽፈት፡፡

8. ናይ - ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ብማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

9. ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኸፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

10. ተጫረቲ ማሕተም ዘለዎ ሙሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም ፡፡

11. ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ግልጋሎት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ግልጋሎት ክጅምር ይግባእ፡፡

12. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ከዓ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

13. ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዋ ጌጋ ተቀባልነት ከምዘይብሉ ፈሊጥኩም ብጥንቃቀ ክትመልኡ ይግባእ፡፡

Backs
Tender Category