ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ግልጋሎት ዝውዕል ዝርዝር ዓይነቱን መጠኑን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ባልትና ማለት እውን በርበረን ሽሮን ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ፡፡
  • Posted Date: ሰሉስ ሰነ 25, 2016 (3 months ago)
  • Closing Date: ሓሙስ ሓምለ 4, 2016 04:00 Morning (closed)
  • Bid Bond:50,000
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:100.00
  • Bid Opening Date: ሓሙስ ሓምለ 4, 2016 04:30 Morning
  • Food Items Supply/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሪፈራል ሆስፒታል ሰራዊት ትግራይ መቐለ ንውጉኣት ተጋደልቲ ግልጋሎት ዝውዕል ዝርዝር ዓይነቱን መጠኑን ኣብ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብንፁር ዝተቀመጠ ባልትና ማለት እውን በርበረን ሽሮን ኣጫሪቱ ክገዝእ ይደሊ፡፡

እዞም ዝስዕቡ ረቋሓታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ተጫረቲ ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈሉ፣ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱ፣ ቫት ሰርትፊኬትን ናይ መቅረባይነት ፍቃድ ዘለዎምን ኮይኖም ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ፡፡

2. ተጫረቲ ኣብ ዘእትውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ቫት ከይሓወሰ (ብዘይ ቫት) ንሓደ ዝሸጥዎ ዋጋ ጥራሕ መሊኦምን ፈሪሞምን ብዝተዓሸገ ኢንቮሎፕ ከረክቡ ይግባእ፡፡

3. ተጫረቲ ብ ማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 20/10/2016 ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 02/11/2016 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳጥን ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ፡፡

4. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዓይነት ቀረብ ብዝተኣዘዘ ግዘ፣መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸውን ይግባእ፡፡

5. ተጫረቲ ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ስፔስፊኬሽን በቢበይኑ ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡፡

6. ተጫረቲ ምስ ቴክኒካል ሰፔስፊኬሽኖም ሳምፕል ሒዞም ክቐርቡ ይግባእ፡፡

7. እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዕለት 04/11/2016 ዓ/ም ቴክኒካል ስፔስፊኬሽን ቅ/ሰዓት 4፡00 ተዓፅዪ4፡30 እንትኽፈት እቲ ፋይናንሻል ስፔስፊኬሽን ድማ 8፡00 ይኽፈት፡፡

8. ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 (ሓምሳ ሽሕ) ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ብማ/ሪ/ሆ/ሰ/ት/መቐለ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ፡፡

9. ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 100 ብር ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኸፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

10. ተጫረቲ ማሕተም ዘለዎ ሙሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም ፡፡

11. ተጫረቲ ዘቅርብዎ ዋጋ እቲ ትካል 7.5% ቫት ዘኸፍል ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም ፡፡

12. ሰዓራይ ጨረታ ነቲ ዘሸነፎ ዓይነት ንብረት ውዕሊ ኣሲሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ሰሙናዊ ቀረብ ምእታው ክጅምር ይግባእ፡፡

13. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ከዓ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

14. ተጫረቲ ኣብ ኣመላልኣ ዋጋን ስፐስፊኬሽንን ንዝፈጠርዋ ጌጋ ተቀበልን በ ፈሊጥኩም ብጥንቃቀ ክትመልኡ ይግባእ፡፡

Backs
Tender Category