ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ብብርኪ ክልል ኣብ 2016 ዓ.ም ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ/ኣውርስ/ዓይኒዋሪ/ማርያ/ሑሞረይ _ ፅሞረይ ንቲ በዓል ዘድልዩ ወፃኢታት ንምትእልላሽን ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ብኩነት ምድላውን (Event Organizing) ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ኣካላት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ
  • Posted Date: ዓርቢ ሰነ 21, 2016 (3 months ago)
  • Closing Date: ሰሉስ ሰነ 25, 2016 11:00 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:
  • Bid Opening Date: ረቡዕ ሰነ 26, 2016 03:00 Morning
  • Event Organizing/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ 

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ብብርኪ ክልል ኣብ 2016 ዓ.ም ዝኽበር በዓል ኣሸንዳ/ኣውርስ/ዓይኒዋሪ/ማርያ/ሑሞረይ _ ፅሞረይ ንቲ በዓል ዘድልዩ ወፃኢታት ንምትእልላሽን ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ብኩነት ምድላውን (Event Organizing) ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ኣካላት ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ኣብዚ ክትሳተፉ እትደልዩ ትካላትን ውልቀ-ሰባትን _ ብመሰረት እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ረቛሒታት ሰነድኩም (ፕሮፖዛልኩም) ካብ 21-25/10/2016 ዓ/ም ብምቕራብ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡


1. ኣብ ኩነት ምድላው (ብEvent Organizer) ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ስራሕ ልምድን ዘለዎ ኮይኑ በዚ ዘርፊ ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእል፤

2. ቫት ተመዝጋቢ ዝኾነ፤

3. ኣብ ዙርያ ኣከባብራ እቲ በዓል ግልፅን ጥልቀት ዘለዎን ተወዳዳሪ ንድፈ ሃሳብ (ፕሮፖዛል)ዘቕርብ

4. ኣብ ዓበይቲ ሃገራውን ክልላውን ፋይዳ ዘለዎ ኩነትን እቶት ናይ ምእካብ ስራሕን ሓዊሱ ርኡይ ዝኾነ ምድላው ዘሳለጠ ፤ ናይዚ ምስክር ወረቐት ድማ ከቕርብ ዝኽእል፤

5. ንህዝብን መንግስትን ዝጠቅም ኣሳታፋይ ዝኾነ፣ ሓደሽቲ ሓሳባት ዝሓዘን ግልፂ ዝኮነን ፕሮፖዛል(ሓዱሽ ሓሳብ) ዘቕርብ፤

6. ግልፂ ናይ እቶት ኣተኣካክባ ሜላ፣ኣጠቓቕማ፤ ከምኡ ድማ መጠን ብፅሒቱን ኣብቲ ዝቐርብ ፕሮፖዛል ዘቕርብ፡

7. ሰዓራይ ኣካል ኣብ ውሽጢ 3' መዓልቲ ውዕሊ ብምእሳር ብውዕሉ መሰረት ክሰርሕ ዝኽእል።

8. ናይ ቢሮ ሕጋዊ ኣንፈትን መምርሕን ኣክቢሩ ብልዑል ህዝባዊ ሓላፍነት ክሰርሕ ዝኽእል

9. ካልእ ካብዚ ዝቐረበ ዝርዝር ብተወሳኺ ናይ ባዕሉ ተወሰኽቲ ምህዞታት ዘቕርብ


መዘኻኸሪ፤
ነዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ረቛሕታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ናይቶም ረቛሕታት ሰነዳትን ፕሮጀክት ፕሮፖዛልን ዓሺግኩም ክሳብ ዕለት 25/10/2016 ዓ.ም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቐትሪ ናብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ቀዳማይ ደብሪ ኣታዊ ክትገብሩ ነፍልጥ፡፡

Backs
Tender Category