ኣብ ርእሲ ዋኒኑ ከምዝተገለፀ ዋንነታ ናይ ከተማ ሓዉዜን ቤት ማዘጋጃ ዝኮነተ ሻንቱ ዶዘር ሞዴል S032 ዝኮነት ካብዚ ንተሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ስራሕ ኩነታት ንምስራሕ ብግልፂ ጨረታ ከስርሕ ይደሊ።
  • Posted Date: ሰሉስ ሰነ 18, 2016 (3 months ago)
  • Closing Date: ሓሙስ ሰነ 27, 2016 08:00 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:5,000
  • location: ሓዉዜን
  • Bid Document Price:500.00
  • Bid Opening Date: ሓሙስ ሰነ 27, 2016 08:30 Afternoon
  • Vehicle Maintenance/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሓዉዜን

ዋኒነ- ኣብ ከተማ ሓዉዜን እትርከብ ሻንቱ ዶዘር SD32 ናይ ምስራሕ ጨረታ ይምልከት

ኣብ ርእሲ ዋኒኑ ከምዝተገለፀ ዋንነታ ናይ ከተማ ሓዉዜን ቤት ማዘጋጃ ዝኮነተ ሻንቱ ዶዘር ሞዴል S032 ዝኮነት ካብዚ ንተሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ ስራሕ ኩነታት ንምስራሕ ብግልፂ ጨረታ ከስርሕ ይደሊ።

1. ሞተር ኣዉሪድካ ሕድላት ሙሉእ ብሙለእ ምግባር

2. ናይ ጋቤና መስትዋት ምግጣም

3. ሙሉእ ኤሌክትሪክ ሲስተም ምስራሕ

1. ኮይኑ ብተወሳኪ ድማ ተጫራታይ ኣካል ኣብ ግምት ከእትዎ ዘለዎ ክሬን መዉረድን መደየብን ባዕሉ ዘቅርብ

2. ንሕድሳት ዘድልዩ ነገራት ማለትዉን ፖስትሽ ብርጭቆ፣ ወረቀት፣ ነዳጅና ቤንዚን መሕፀቢ ኣርመቲክ 'ግራይንድ፤

ፔስትን ካልኦት ደቀቅቲ ነገራትን ባዕሉ ዘቅርብ

3. ናይ ጋቤና መስትዋት መግጠሚ በዓል ሞያ ናይ ባዕሉ ዘቅርብ

4. ናይ ኤሌክትሪክ ሲስተም ክሰርሕ ዝክእል በዓል ሞያን ባዕሉ ዘቅርብ ካብ ተጫራታይ ኣካል ይከዉን

5. ዕገና ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ግቢ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሓውዜን

ተጫራታይ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ናይ ዕገና ማሽነሪ ዘለዎ ኮይኑ ናይ ቫት ተመዝጋቢ ክከዉን ኣለዎ።

ተጫረታይ ከማልኦም ዝግባእ

1. ናይቲ ዝወዳደርሉ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2016ዓም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ኮፒ ዘቅርብ

2. ሰነድ መዐደጊ ዘይምለስ 500 ብር ዝክፍል

3.ሰነድ ዝሽየጠሉ ዕለት ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 18/10/2016ዓም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 27/10/2016ዓም ንተከታታሊ 10 መዓልትታት ይከዉን፡፡

4. ምልክታ ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ድማ ዕለት 27/10/2016 ዓም ስዓት 8፡00 እዩ።

5. ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ኣብ 10መዓልቲ ተጫራታይ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ዕለት 27/10/2016 ዓም ስዓት 8፡30 ይከውን።

6. ጨረታ መክበሪ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጭረታ ምክፋቱ 5,000 ( ሓምሽተ ሽሕ) ምስ ጨረታ ሰነድ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ የእቱ ፡፡

7. ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ስም፣ፌርማን ሕጋዊ ማህተም ኣብ ሕድ ሕድ ገፅ - ጨረታ ክግበሮ ኣለዎ::

8.ሰዓራይ ምስተፈለየ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ውዕሊ መክበሪ ብስፒኦ ብጥረ ገንዘብ ዘትሕዝ፡

9.ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ደብዳቤ ካብ ዝፈለጠሉ (ዝተፅሓፈሉ) ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10ተ መዓልቲ ዝሰዐሮ ንብረትን ፅገና ዘድሊ ንብረት ነፂሩ የቅርብ እዚ እንተዘይገይሩ ዘትሓዞ ዉዕሊ መክበሪ ብር ተወሪሱ ብሕጊ ይሕተት

10.ኣብዚ ጨረታ ዝኮነ ተጨራታይ ኮነ ኢሉ ነቲ ጨረታ ዘብዕ ወይ ክዓ ከዛብዕ ዝመክር ዘትሕዞ መክበሪ ጨረታ ተወሪሱ
ብመምርሒ ዕደጋ ብሄ/ክ/መ/ት ቀፅሪ 5/2016 ብዝእዝዞ መሰረት ናብ ሕጊ ቀሪቡ ተሓታታይ ይከዉን፡፡

መተሓሳሰቢ፦

ዝርዝር ናይ ጨረታ መምርሒ ምስ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝሽየጥ ምኳኑ ንሕብር ፡

ናይ ጨረታመምርሒ

1. ብንግዲስራሕ ዝተሳማሪምዃዝወሃቦ መፍለዩ-tin car / ኮፒ ንዘቅርብ ።

2. ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንምስታፍ ዝተዉሃቦም ናይ መቅረባይ ካርድን ኣብ እዋን ጨረታ ኮፒ ንዘቅርብ።

3. ጠቅላላ ደክሜት ኣብ ኦርጅናልን ኮፒን ንንሕድሕዱ ናይ ትካሎም ማህተም ይገበረሉ።

4. ደክሜት ኣብ ኦርጅናልን ኮፒን ንንሕድሕዱ ናይ ባዕሉ ፖስታ ተዓሺጉ ይቀርብ።

5. ጠቅላላ ደክሜት ኣብ ኦርጅናልን ኮፒን ንንሕድሕዱ ናይ ትካሎም ማህተም ይገበረሉ።

6. እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛብዐ ካብቲ ጨረታ ዝወፅእ ኮይኑ ዘትሓዞ ጨረታ መክበሪ ተወሪሱ በቲ ናይ ክልል ትግራይ

ዕድግት መምርሒ ዝድንገን ብሕጊ ተሓታታይ ይከዉን፡፡

7. ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ዝኮነ ይኩን መመሓየሺ ኣብ ጨረታ ሰነድ ምግባር ብፍፁም ኣይፍቀድን ።

8. ተጫራታይ ዝሰዓሮ ዕገና እቲ ጨረታ ስዓራይ ምዃኑ ካብ ዝፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 5(ሓሙሽተ) ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ከተማ ሓውዜን ዉዕሊ ይኣስር።

9. ኣብቲ ጨረታከይዲ ቅሬታ እተሃይልዎ ዉሳነ ካብ ዝረከበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 3(ሰለስተ) መዓልቲ ተከታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲጥራሕ ቅሬትኡ ናብ ቤት ማዘጋጃከተማ ሓውዜን ብፅሑፍ ከቅርብ ኣለዎ።

10. ኣብቲ - ጨረታ 2ይን 3ይን ንዝኮኑ ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ጨረታ ዝስዓረ ኣካል ዉዕሊ ምስ ኣሰሪ ሽዑንሽዑ ይምለሰሎም።

11. እቲ ቤት ፅሕፈት ጨረታ ምስ ተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ዝፅግኖ ንብረት ካብ ጠቅላላ ገንዘብ በቲ መምርሒ ዝፈቅዶ 20% ናይ ምቅናስ ወይ ናይ ምዉሳክ መሰል ኣለዎ።

12. ስዓራይ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ 10% ዉዕሊ መክበሪ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል ዝሰዓሮ ንዕገና ዘደሊ ንብረት ምስቀረበሉ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ሸፊኑ ኣብ ዉሽጢ 15 (መዓልቲ ) ናብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ ሓውዜን ፀነ ዘረክብ።

13. ተጫራታይ ካብቲ ናይ ትግራይ መምርሒ ዕድጊት ወፃኢ ናይ ግዜ ገደብ ሃቡ እንትወዳዲሩ ኣብ ዝኮነሉ በቲ ናይ ዕደጋ መምርሒ ዝተኣናገድ ምዃኑ ፈሊጡ ናይ ባዕሉ መምርሒ ከቐምጥ ከምዘይብሉ እንተቀመጠ እዉን ተቀባልነት የብሉን።

14. ቤት ዕዮና ተጫራታይ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብዘየለዉሉ ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

15. ስዓራይ ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝድለ መግለፂ ምኳኑ እናተረጋገፀ የረክብ።

16.- ጨረታ ሰነድ ዝሽየጠሉ ናብ ቢሮና ቁፅሪ 03

17. ናይ ጨረታ ፖስታ ንምርካብ ኣብ ከተማ ሓውዜን ቤት ማዘጋጃ ዉሽጢ ዝርከብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይከዉን

18. ቤት ፅሕፈትና ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

19. ተጫረቲ ዘእተዉዎ ናይ ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝክፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ቀፃሊ 30 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝፀንዕ ይከዉን።

20. ቫት ተመዝጋቢን with holdingን ዝከፍል ክከዉን ኣለዎ፡፡

21. ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚ ከቅርብ ዝክእል።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09 38 16 98 50/ 09 14 31 97 51 /09 14 69 39 62 ደዊሎም ምሕታትይከኣል፡፡

Backs
Tender Category