ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ቐፅሪ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከብ ካፍተርያ መስርሒ ገዛ፣ መብራህቲ ማይ፣ ወናብርን ካልኦትን ብነፃ ብምቕራብ ምግብን ካልኦት ቀረብ ግልጋሎትን ተመጣጠኒ ብዝኸነ ዋጋን ብዕሬትን ከቕርቡ ዝኸእለ ትካላት ብጨረታ ብምዕዳም ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡
  • Posted Date: ቀዳም ጉንበት 17, 2016 (4 months ago)
  • Closing Date: ሰሉስ ጉንበት 20, 2016 08:30 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:3,000.00
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:50.00
  • Bid Opening Date: ሰሉስ ጉንበት 20, 2016 09:00 Afternoon
  • Cafe & Restaurant Services/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ጨረታ - ቐረብ ግልጋሎት ካፍተርያ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ቐፅሪ ዋና ቤት ፅሕፈት ዝርከብ ካፍተርያ መስርሒ ገዛ፣ መብራህቲ ማይ፣ ወናብርን ካልኦትን ብነፃ ብምቕራብ ምግብን ካልኦት ቀረብ ግልጋሎትን ተመጣጠኒ ብዝኸነ ዋጋን ብዕሬትን ከቕርቡ ዝኸእለ ትካላት ብጨረታ ብምዕዳም ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. በቲ ዘፈር ግልጋሎት ንግዲ ፍቓድ ከቕርብ ዝኽእል፣

2. ኣብቲ ስራሕ ተሞክሮ ዘለዎን (ብመረዳእታ ዝተደገፈ) ዝድለ ናይ ምግቢ ዓይነትን መስተን (ኣብ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝተጠቐሱ) ከቕርብ ዝኸእልን፣

3. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 3,000.00 ከትሕዙ ዝኸእሉ፣

4. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳር ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ግልጋሎት ምሃብ ክጅምር ዝኽእል፣

5. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ጨረታ ቤት ፅሕፈትና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቕረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣

6. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 50.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

7. ማ.ል.ት እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

8. እዚ ጨረታ ዕለት 21/09/2016 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡

Backs
Tender Category