ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2016 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒን መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ጎማን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ
  • Posted Date: ሓሙስ ታሕሳስ 4, 2016 (9 months ago)
  • Closing Date: ሶኒ ታሕሳስ 15, 2016 09:00 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:5000.00
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:50.00
  • Bid Opening Date: ሶኒ ታሕሳስ 15, 2016 09:30 Afternoon
  • Car Spare Part/ Stationery Supplies/
  • Print
  • Pdf

ስለዝይ እዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትጫረቱ ብግልፂ ጨረታ ይዕድም፡፡

1. ኣብ ናይ ፅሕፈት መሳርሒኣቑሑትን መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ጎማን ንዝሳተፉ ትካላት ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ን/ፍቓድ ፣ቲን ቁፅሪን መቅረባይነትን ቫት ተመዝገብቲን ክኾኑ ይግባእ። ንናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 5,000/ሓሙሽተ ሽሕ/ ፣ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ጎማን ብር 5,000/ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና፣ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስናን ጥረ ገንዘብ ወይ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ናይ ክፍሊት ትእዛዝን።

2. ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ንፅሕፈት መሳረሒ ኣቑሑትን መኪና መለዋወጢ ኣቑሑትን ዘይምለስ ብር 50 /ሓምሳ ብር/ ብምኽፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱትኽእሉ።

3. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ናይ ድሕሪ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 15/04/2016 ዓ/ም ሰዓት 9:30 ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኸፈት።

4. ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝቃለሐሉ /ዝልጠፈሉ/ ዕለት ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቕሓ/ስፐሲፊክሽን/መሰረት ካብ ዕለት 04/04/2016 ዓ/ም ክሳብ 15/04/2016 ዓ/ም ኾይኑ ሰነድ ምስተገዝአ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናልን ኮፒን ብምንፅፃር ብክልተ ፖስታ ዝቐርብ ኾይኑ እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ጊዜ 15 መዓልቲ ይኸዉን።

5. ኣድራሻና ክፍለ ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ ኣብ ኮምፕሌክስ ናይ ሓባር ህንፃ ፣ ህንፃ 1/Block 1/ ኣብ 1ይ ደብሪ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን እዩ።

6. እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኸፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡

7. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342400158/0344417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል'ዩ

Backs
Tender Category