ዝተናወሐ ግልፂ ናይ ጨረታ ምልክታ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገበረ ስላሴ ኣስገዶም ዕዳጋ ሓሙስ

ዝተናወሐ ግልፂ ናይ ጨረታ ምልክታ  ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገበረ ስላሴ ኣስገዶም ዕዳጋ ሓሙስ አብ በጀት ዓመት 2008 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ህንፃ መሳርሒ ብሎት ሓደ ፡ ፅሬት መሳርሒ ብሎት 2 ፡ኤለክትሪክ አቁሑት ብሎት 3ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ  ብቁፅሪ 966 ዕ/ ፋ/ ን/ ም- 23- 08 ዕለት 09/ 05 /2008 ዓም ግልፂ ምልክታ ጨረታ ወፂኡ ምንባሩ ግልፂ ኮይኑ ግና ብምክንያት ስልጠና ኣባለት ጨረታ ኮሚቴ ንዕለት 24 /05 /2008 ዓም ክርከቡ ስለዘይክእሉ ወፂኡ ዝነበረ ምልክታ ጨረታ ንዕለት 30/ 05 /2008 ዓም ዝተናወሐ ምካኑ እናገለፅና በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ዝስዕብ ረቀሒ ኣማሊእኩም ክትወዳደሩ ቤት ፅሕፈትና ብክብሪ ይዕድም

ስለዚ ብቢዝምልከተኩም ዘርፊ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ሕጋዊያን ነጋዶ ዝስዕብ ረቆሓ አማልእኩም ክትወዳደሩ ቤት ፅሕፈትና ብክብሪ ይዕድም:

  1. ናይ 2008  ዓም በቢዘርፉ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ
  2. ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ(Tin No) ዝሓዝኩምን
  3. ቫት ማለት ዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ሰርትፊኬትን
  4. ናይ ወርሒ ሓምለ 2007 ዓም ዲክሌር ዝተገበረሉ መረዳእታን ክተቕርቡ ትኽእሉ::
  5. ኣብ መንግሰቲ ንክትጫረቱ ዝተሐደሰ ናይ መቕረበይነት ሰርትፊኬት መረዳእታ ዝሐዝኩም::
  6. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ብደብዳቤ ተገሊፅለኩም ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ንብረት ብበዓል ሞያ ኣፈቲሹ ናብ ትካልና ኣታዊ ክገብር ዝክእል::
  7. ተጫረቲ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ሐደ ኦርጅናል ሐደ ኮፒ መነፃፀሪ ዝኸዉን ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ አብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ አስገደም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 03 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዲቅ ክተእትዉ ከምትክእሉ::
  8. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 /ሳላሳ ብር / ንሕድሕድ ሎታ በቢዝምልከተኩም ዘርፊ እንኸፈልኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣስገዶም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምር ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ ዕለት 23 /05/ 2008 ዓ/ም ክሳብ 30/05/ 2008 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 8:00 ድሕሪ ቀትሪ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ::
  9. እቲ ጨረታ ዕለት 30/05/ 2008 ዓ/ም ልክዕ 8:00 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ  በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ /ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይኽፈት::
  10. ተጫረቲ በቢ ዝምልከተኩም ዘርፊ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ብር 3000.00 / ሰለስተ ሽሕ ብር / ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ይግባእ::
  11. ትካልና መጠን ዝግዛእ ንብረት 20 % ክዉስክ ወይ ክቅንስ ዝኽእል ምኮኑ::
  12. ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0347730211 ደዊልኩም ሕተቱ::

Backs
Tender Category