- ናይ 2007 ዓም ወይድማ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝክእል ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ቅድሚያ ይወሃቦ
- ቫት ተማዝጋቢ ምካኑ ናይ ቫት መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
- ሕጋ ደረሰኝ ከቅርብ ዝክእል
- ቲን ቁፅሪ ተመዝጋቢ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
- ናይቲ ዓመት ቫት ዲክለሬሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
- ተጫረቲ ሰዓራይ ምካኑ ምስ ተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ይኣስር
- እዚ ጨረታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 17 /05/ 2008 ዓም ኮይኑ እዚ ጨረታ 27/05 /2008 ዓም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡ 30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብምትራፎም እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ዝእግዶ ነገር የለን
- ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድ ካብ ጠቅላላ ዋጋ 5 ሚኢታዊ ብ ሲፒኦ ከይሕዝ ዝክእል
- ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዘይመልስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዕደጋ ክፍሊ ምዉሳድ ይከኣል
- ኮሌጅና ዝሓሸ አማራፂ እንተረከቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
- ተጫረቲ ኣብ ዝመልኦ ዋጋ ሰዓራይ ምካኖም ምስ ተነገሩ አታዊ እንተዘይገይሮም ዘትሐዝዎ ሲፒኦ ናብ ኒዉ ሚለኒየም ኮሌጅ ኣታዊ ይከዉን
ንዝበለፀ ሓበሬታ 0344410465 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
Backs