ተጫረቲ ክተማልእዎ ዝግባእ ረቋሕታት
1. ናይ ተጫረቲ ሽም፣ ፊርማ ፣ኣድራሻ ፣ማህተም ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ክገብሩ ኣለዎም
- ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ ዓዉዲ ስራሕ ፍቃድ ንግዲ፣ ቲን ነምበርን ፣መቅረባይነት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ናይ ወርሒ ሕዳር 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥሉ ዝተገናዘበ መረዳእታ ቅዳሕ ከቀርቡ ዝክእሉ ክኮኑ ኣለዎም
- ናይ ፅሬት ኣቁሑት ፣ናይ ሕትመት ግልጋሎት፣ ናይ ኤለክትሮኒክስ ፅገናን ፣ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑትን ንመቅረብቲ ዝምልከት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ዘይተመዝገብኩምን መረዳእታኩም ብምቅራብ ክትወዳደሩ ትክእሉ
- ብመሰረት እዚ ዝተዳወ ስፐስፊኬሽን ካብ ካይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትክእሉ
- ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ከዓ ብጥረ ገንዘብ ንፅሕፈት መሳርሒ :ኣቁሑት ኤሌክትሮኒክስ :መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና፡ ናይ ቀዋሚ ኣቁሑት ወይድማ ፈርኒቸር 5000 ቅርሺ , ንኣቁሑት ፅሬት : አቁሑት ሕተመት : ኤሌክትሮኒክስ ፅገነና ናይ ጉልበት ዋጋ : ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑ 3000 ቅርሺ ብሽም ቤት ፅሕፈትና ከትሕዙ ዝክእሉ ክኮኑ አለዎም
- ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 26 ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ በቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ይክፈት እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት እንተዳኣ በዓል ኮይኑ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ብተመሳሳሊ ሰዓት ይክፈት
- ተጫረቲ ዝህብዎ መጫረቲ ዋጋ ን 60 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ምካኑ ኣብቲ ዘቅርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ከረጋግፁ ይግባእ
- ናይ ዋጋ መግለፂ እንትመልኡ ኣብ ዝረከብኩምዎ ዝርዝር ስፐስፊኬሽን ኣብ ዝተዳለወ ቅጥዒ ጥራሕ ክትመልኡ ኣለኩም
- በዚ መሰረት ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቲኦቲ ተመዝገብቲ ንዝኮንኩም ተወዳደርቲ እተመልእዎ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ዝሓወሰ ምካኑ ክትፈልጡ ኣለኩም
- ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብ.ቁ ስልኪ 0344340128 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
Backs