ክትጫረቱ እትደልዩ ነጋዶ ተማልእዎ ዝግባእ ረቀሒታት
ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም
ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝከፈልኩም
ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም
ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም
ዝተሓደሰ መቅረባይነት ሰርትፍኬት ናይ 2008 ዓም ክተቅርቡ እትክእሉ
ኩሉ ሰነድ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል
መክበሪ ጨረታ ንሕድሕድ ዘርፊ 5000 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ከተሕዝ ዝክእል
ወርሓዊ እሴት ታከሰ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
ሰዓራይ ኣካል ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ ዕለተ ጀሚሩ ኣብ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
ሰዓራይ ኣካል ኣብቲ ዝሰዓሮ 20 ሚኢታዊ እቲ ኮሌጅ ምዉሳክ ወይድማ ምቅናስ ዝክል ይከዉን
ኣብ ዝወፀ ጨረታ ሰነድ ወይ መምርሒ ስርዝ ድልዝ እንተሃሊዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከምዘግብር ምካኑ
ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዓዲ ጉዶም 10 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል
ብተወሳኪ መምርሒ ኣዋጅ 255 /2007 ተፈፃሚ ይከዉን
ሰዓራይ ኣካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ዓዲ ጉዶም ከጉዕዝ ዝክእል
እትመልእዎ ዋጋ ሰዓራይ ክሳብ ዝግለፅ 30 ናይ ስራሕ መዓልቲ ክፀንሕ ከምዝክእል ብፊርማኩም ክተረጋጉፁ ትክእሉ
ሳንዱቅ ጨረታ 5ተ ታሕሳስ 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4፡ 00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344370592 /0934824000 /0914064382 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ ።
መመለስ