1 ናይ 2011 ዓም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቃድ ከቅርብ ዝክእል
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቲን ቁፅሪ ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝክእሉ
3 ናይ 2011 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅረቡ ዝክእሉ
4 ቫት ዝተመዝገብክምሉ ናይ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዓም ናይ ቫት ድክለሬ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል
5 እትህብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን 45 መዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ይከዉን
6 ተጫረቲ እትመልእዎ መጫረቲ ዋጋ ቫት ዝሐወሰ ክክዉን ይግባእ
7 ኣብ ሰነድ ጨረታ ዘይምላክቲ ተወዳደርቲ ዝመልኦ ዋጋ ቫት ሓዊሱ ከምዝመልኦ ይሕሰብ
8 መወዳደር ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽም ኣድራሽ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ
11 ሰዓራይ ተጫራታይ ሰዓራይ ምካኑ ካብ ዝተገለፀሉ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብምሓዝ ኣብ ዉሽጢ 3 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ብኣካል ቀሪቡ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
12 ሰዓራይ ተጫራታይ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሮ ንብረት መሊኡ አብ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲታት ከቅርብ ዝክእል
9 ተጫረቲ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ሸራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ምምሕዳር ንብረትን ካብ ዕለት 28/12/2011 ዓም ክሳብ 06/1/2012አብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ሰዓት 2:00 ንጉሆ ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ ምካንኩም እንዳገለፅና ጨረታ ዝዕፀወሉ 7/1/2012 ዓም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት እሱ 3:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ይኩን ደኣምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ከይተከፈት ዝምለስ ጨረታ ኣይህልዉን
10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ 5000 ቅርሽን 3000 ቅርሽን ብሲፒኦ ብባንኪ ዝተረጋፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
13 ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ኮሌጅ ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ
14 ትካልና ተጫረቲ ካብ ዝሰዓርዎ ሕድሕድ ንብረት 20 ሚእታዊ ክዉስክን ክቅንስን ዝክእል ምካኑ እናሐበርና
15 ትካልና ነዚ ጨረታ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0345500382
መመለስ