ን3ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ነቲ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ንክትጫረቱ ይዕድም፡፡
  • የተለቀቀበት ቀን: ሓሙስ ጉንበት 15, 2011 (ከ 5 ዓመታት)
  • መዝግያ ቀን: ዓርቢ ጉንበት 23, 2011 03:30 ጥዋት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:6000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ዓርቢ ጉንበት 23, 2011 04:00 ጥዋት
  • ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/
  • Print
  • Pdf

1 ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ዘለዎን ናይ 2011ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን፤

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ TIN No ዘለዎ፤

3 ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገቡን መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ገይሩ ኣታሒዙ ዘቅርብ፤

5 ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ንኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ ብር 6000 .00 ሽሕ ቅርሺ ብሸም ቤት ፅሕፈት ዋና ኦዲተር ብዝተረጋገፀ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ንሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ኣብ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ዋና ኦዲተር ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ 26 ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል ካብ ዕለት 14/09/2011 ክሳብ ዕለት 23/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ናይ ንጉሆ ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል፡፡

7 እቲ ጨረታ ዕለት 23/09/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ንጉሆ ተዓሺጉ በቲ ዕለት በዓል ዋና ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዘለዉሉ ልክዕ ሰዓተ 4:00 ይኽፈት መቅረብቲ ብናይ ባዕሎም ድልየት ተዘይተረኪቦም እቲ ቤት ፅሕፈትና ጨረታ ፖስታ ንምክፋት መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

8 ናይ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ቀረባ እዋን ዲክለር ዝገበረሉ መረዳእታ ዘቅርብ፤

9 ብተጫረቲ ዋጋ ዝምላእ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብዝተዉሃበ ሰነድ ጥራሕ ክከዉን አለዎ ካብዚ ወፃኢ ዘቅርብ ተቀባልነት የብሉን፡፡

10 ዝምላእ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ሕድሕድ ሰነድ ገፅ ፌርማን ማህተምን በዓል ዋና ከህልዎ ይግባእ ብተወሳኪ ኣብ ፖስታ ማህተም ክህሉ ይግባእ ካብዚ ወፃኢ ዘቅርብ ተቀባልነት የብሉን፡፡

11 ናይ ተጫረቲ መልሲ መቅረቢ ናይ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ብኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብሽምዒ ዝተዓሸገ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ፊርማን ማህተምን መቅረባይ ዘለዎ ኣብ ፖስታ ልዕሊ ብዓብይ ፅሒፉ ኮፒ ኦርጅናል ዝብል ዘለዎ ከፀሐፍ ይግባእ፡፡

12 ተጫራታይ ኣብቲ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ዝመልኦ ነፀላ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሩ አብ ሕድሕድ ዓይነት ንብረት ከቅምጥ አለዎ፤

13 ተጫራታይ ኣብቲ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ዝመልእ ነፀላ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሩ ንሕድሕድ ዓይነት ንብረት ከቅምጥ አለዎ፡፡

14 ቤት ፅሕፈና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ስቁ 0914-735315/0914-154873 ምድዋል ይከኣል፡፡

መመለስ
የጨረታ ምድብ