ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ስዒቦም ዘለው ንብረታት ማለት ሎት 1 ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና፣ ሎት 2 መሳርሒ ፅሕፈት፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

1 ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋበኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

3 ቫት ምምዝጋብኩምን ናይ ወርሒ ለካቲት 2011ዓ/ም ወርሓዊ ድክለረሽን ዝገበርኽሙሉ መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::

4 መኽበሪ ጨረታ ንሎት 1 ብር 10,000 ሽሕ ቅርሺ፣ ሎት 2  5,000 /ሓሙሽተ ሽሕ ቅርሺ / ስፒኦ/CPO/ ክተትሕዙ እትክእሉ::

6 ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብዝተአሸገ ፖስታ ሓደ ኦርጅናል ሓደ ቕዳሕን ኮይኑ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 አብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::

7 እቲ ጨረታ ካብ 16/08/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን 01/09/2011 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ይኽፈት::

8 መሸነፊ ትካል ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ እቲ ንብረት ድማ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ከቅርብ ዝክእል፤

9 ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 42 ዘይምለስ ብር 50.00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ በዓል እንተኮይኑ ኣብ ዝቅፅል መዓልትን ሰዓትን ይክፈት፡፡

11 ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

12 ንተወሳኪ ብመምርሒ ስርዓት ዕደጋ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣዋጅ ቁፅሪ 255/2007 መምርሒ ቁፅሪ 04 /2007 ተግባራዊ ይከውን፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ 0344-404715 ምድዋል ይከአል::

መመለስ
የጨረታ ምድብ