ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ 2011 ዓም 2ይ ፍርቂ በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ኤሌክትሮኒክስ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት ኣቅሑትን ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍዕም ይደሊ ስለዚ እዞም ስዒቦም ዝተዘርዘሩ ረቆሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትጫረቱ ብግልፂ ጨረታ ይዕድም፤

1 ኣብ ናይ ኤሌክትሮኒክስ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት ኣቅሑትን ሕትመትን ዝሳተፉ ትካላት ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰትን፣ ቲን ቁፅሪ ዘለዎ ናይ መቅራባይት ዘለዎ ,ቫት ምዝገቡ ዝኮነ ናይ ወርሒ ጥሪ ዝገበረ ክከዉን

2 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ መክበሪ ጨረታ ናይ ኤሌክትሮኒክስ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ፅሕፈት መሳርሒ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ፅሬት ኣቅሑት 500.00 ከምእዉን ንናይ ሕትመት ድማ ብር 2000.00 CPO ከትሕዙ ዝክእሉ፤

3 ንዝተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 30.00 ብምክፋል ካብቲ ቢሮ ትወስዱ፤

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 16/08/2011ዓ/ም ዓም ሰዓት 9:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት ድማ ብተመሳሳሊ ዕለት 16/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 9:30 አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ኣብ ኣብ ንኡስ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ይኽፈት፤

5 ጨረታ ወፂኡ ካብ ዝተቃለሐሉ /ዝልጠፈ/ ጀሚሩ ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቖሒ /ስፐስፊኬሽን/ መሰረት ኮይኑ ናይ ኤሌክትሮኒክስ፣ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት ኣቅሑትን ሕትመትን ካብ ዕለት 16/08/2011 ክሳብ 16/08/2011 ዓ/ም ሰነድ ምስተገዘአ ብሸምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኦርጅናል ኮፒን ብምንፃር ብክልተ ፖስታ ከቅርቡ ይግባእ ዝግባእ ኾይኑ እቲ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ን45 መዓልቲ ይኸዉን፤

6 አድራሻና ክፍለ ከተማ ሐወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ ዝርከብ አብ ኮምፕሌክስ ናይ ሐባር ህንፃ: ህንፃ 1 /Block 1/ ኣብ መሬት ቢሮ ቁፅሪ 245 እዩ፡፡

7 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-417637 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል እዩ፤

መመለስ
የጨረታ ምድብ