ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ዝርከብ ዝውገድ ንብረት ኮይኑ ፣ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ዝርከቡ ግልጋሎት እናሃቡ ዝፀንሑ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቁሑት፣ ኮምፒተራት፣ ፕሪንተራት፣ ፎቶ ኮፒ መሽን ፣ ሓድሽ ምሳር ወዘተ ዝመሳሰሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ።
  • የተለቀቀበት ቀን: ሰሉስ የካቲት 19, 2011 (ከ 5 ዓመታት)
  • መዝግያ ቀን: ሓሙስ የካቲት 28, 2011 08:00 ከሰአት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:1000.00
  • ቦታ: ሮብ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ሓሙስ የካቲት 28, 2011 08:30 ከሰአት
  • ካልኦት ዝሽወጡ/ ዘገልገሉ ኣቅሑት መሸጣ/
  • Print
  • Pdf

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝርዝር ንዝቀረቡ ረቋሕታት አተማለኡ ክትወዳደሩ እትደልዩ ከባቢ ሕ/ሰብ (ግለ ሰባት) ፣(ውልቀ ነጋዶ) ኣብ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን መፂእኩም ንክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግበኦም ረቋሕታት

1 ንብረት ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ከተማ ዳውሃን ዝርከብ ኮይኑ እቲ ዓይነት ንብረት ካብዚ ንታሕቲ ብዝርዝር ዝቐቀረበ እንትኸውን ብኣካል እናመፁ ብምርኣይ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 18/06/2011 ዓ/ም ጀሚሩ - 28/06/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ክወስዱ ይኽእሉ።

2 እቲ ጨረታ ዕለት 28/06/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት 25/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት።

3 ካፈቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 (ሓምሳ ብር) ብምኽፋል ብምውሳድ ንሕድሕድ ዓይነት ንበረት ዋጋ ብምምላእ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ድሕሪ ሳንዱቅ ጨረታ ምዕፃው ንዝመፅአ ጨረታ ሰነድ ተቐባልነት የብሉን።

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ንጨረታ መኽበሪ ትሕጃ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ብር 1000.00 (ሓደ ሽሕ) ትሕጃ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

6 ተጫረቲ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኖም ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ገንዘቡ ጠቅሊሉ ብምኽፋል ንብረቱ ከልዕል ዝኽእል፤

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ

8 ጨረታ ሳፁን ዝርከበሉ ቦታ ቤ/ፅሕፈት ት/ፋ/ወ/ኢሮብ ከ/ስ/ፋይ/ዕ/ንበ/ምም/ርን ምዃኑ ንሕብር።

መመለስ
የጨረታ ምድብ