1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኦርጅናልን ሓደኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኦርጅናልን ሓደኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::
3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬት ንናይ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም VAT ድክላሬሽን ኦርጅናልን ሓደኮፒ ከቅርብ ዝኽእል:;
4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ምስኽር ወረቐት ኦርጅናልን ሓደኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል::
6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::
7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን ንዘለዉ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100. 00 /ሓደ ሚኢቲ ብርጥራሕ/ እናኸፈለ ካብ ቢሮ ትልም ንፋይናንስ ንከይዲ ንብረት ምም/ ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 ምዉሳድ ይከኣል::
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ጨረታ ብር 5000. 00/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን / Bureau of plan & finance / ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይድማ ብጥረገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::
9 እቲ ጨረታ ዕለት 24/05/201 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ድሕሪ ሰዓት ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ር ንቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::
10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ/ ክዉስክ ይክእል እዩ::
12 ሰዓራይ እቲ ዘቕርቦ ንብረት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::
13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 03444105291 / 0344406200/01-09 ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምኻኑ ንሕብር::
መመለስ