1 ካብ ብር 100,000.00 ሚኢቲ ሽሕ ብር ንላዕሊ ዋጋ ኣብ ዘለዎም ዕደጋ ዝሳተፋ ንጋዶ ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት /VAT/ ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም ዲክለሬሽን : መፍለይ ቁፅሪ /Tin/ ከፋላይ ግብሪ : ናይቲ ክንዕድጎ እንደልዩ ኣቅሓ ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድ: ዝተሐደሰ ዝተሐደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቀት ከቕርብ ዝክእል፤
2 ካብ ኮሌጅ ጋርመንት መቐለ ደጋፊ /ከ/ሰ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ካብ ዕለት 27/04/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 13/05/2011 ዓ/ም አብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ብብር 30.00 /ሰላሳ / ብምግዛእ ክትወስዱ ከምትክአሉ ብምፍላጥ ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 13/05/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 5:00 ብምዕፃዉ ድሕሪ 15 ደቂቃ ማለት 5:15 ስለዝኽፈተ በቲ ዝተቀመጠ ናይ መእተዊ ግዜ ብምምፃእ ናብቲ ኣብ ከይዲ ስራሕና ዝተደወልከም ሳንዱቅ ጨረታ ሰነድ ጨረታኩም ንክትእትዉ የፍልጥ :: አብ እዋን ምኽፋት ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ከርከቡ ይኽእሉ እዮም::ድሕሪ ምዕፃው ሳንዱቅ ጨረታ ንዝመፅእ ሰነድ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን።
3 ተጫረቲ መኽበሪ ጨረታ ብር 3000.00 ብ CPO ብስፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ::
4 ዝሰዓሮ ንብረት በቲ ዝወፀ ሰፐስፊክሼን መሰረት ናብ ትካልና ብናይ ባዕሉ ወፃኢ መጋዓዝያን መራገፍን ናብቲ ትካል ከቕርብ ዝኽእል፤
5 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ::
አድራሻና- ትግራይ መቐለ ቀበሌ 18 ድሕሪ ሆቴል አብርሃ ካስትል ወይ ድሕሪ ፍፁም ብርሃን ዓይኒ ሕክምና
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0342-403912/ 0933-101421
መመለስ