1 በቲ ዘርፊ ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል::
3 ንተወሳኪ እሴት ታክሲ ዝተመዝገበ VAT ምዝገባ ሰርቲፊኬትን ናይ ጥቅምቲ 2011 ዓ/ም VAT ድክላሬሽን ኦርጅናልን ሓደ ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል:;
4 በቲ ዘርፊ ናይ መቕረባይነት ዝተመዝገበ ምኻኑን ናይ ዘመኑ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ምስክር ወረቐት ኦርጅናልን ሓደ ኮፒን ከቅርብ ዝኽእል::
5 ኣብቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ተወዳደደሪ ዝሰዓሮ ሕትመት ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ናብ ቢሮና ስቶር ክፍሊ በቲ ዝተሓተተ ፅሬትን መጠንን ከቅርብ ዝኽእል::
6 ናይ መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ፤ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን፤ ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ክኸዉን ይግባእ::
7 ተጫረቲ ንዝተዳለወ ዝርዝር መምረሒ ጨረታን ሰነድነ ጨረታን ንዘለዉ ዝርዝር ንብረታት ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00 /ሓደ ሚኢቲ ብር ጥራሕ / እናኸፈለ ካብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 2-19 /2-01 ካብ 19/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 03/04/2011 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምቅራብ ሰነድ ጨረታ ገዚኡ ከወዳድር ይክእል።
8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኽበሪ ንሕድሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 5000.00 / ሓሙሽተ ሽሕ ብር ጥራሕ/ ብሽም ቢሮ ትልምን ፋይናንስን / Bureau of plan & finance / ብ CPO ወይ ብስርቲፋይድ ቼክ ዉይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ናብ ዝተዳለወ ናይ ቢሮና ጨረታ ሳንዱቅ ወይ ድማ ጨረታ ቅደሚ ምክፋቱ ከቅርብ ዝኽእል::
9 እቲ ጨረታ ዕለት 03/04/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:00 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስን ዳ/ዳሬክቶራት ከይዲ ንብረት ምም/ርንቢሮ ቑፅሪ 2-19 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት::
10 ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ::
11 እቲ ጨረታ ምስተከፈተ ቢሮና ናይቲ ዝግዛእ ንብረት መጠን ክሳብ 20 % ክቅንስ / ክዉስክ ይክእል እዩ::
12 ሰዓራይ እቲ ሕትመት ብበዓል ሞያ ተፈቲሹ ትክክለኛነቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸዉን::
13 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0344-410529 / 0344-415152 ናይ ወሽጢ መስመር 227:265 ደዊልካ ምሕታት ዝከኣል ምኻኑ ንሕብር።
መመለስ