ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ማይጨው ንከተማና ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት (ባውዛ) መብራህቲ ምስ ኣምፖሉ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ በዚ ዘርፊ ንግዲ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኾንኩም ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • የተለቀቀበት ቀን: ረቡዕ ጥቅምቲ 28, 2011 (ከ 5 ዓመታት)
  • መዝግያ ቀን: ሓሙስ ሕዳር 13, 2011 04:00 ጥዋት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ: ማይጨዉ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ሓሙስ ሕዳር 13, 2011 04:30 ጥዋት
  • ኤሌክትሪካልን መሳርሕታትን መለዋወጢን/
  • Print
  • Pdf

ተጫረቲ ከማልኡዎም ዝግባእ ረቋሕታት

1 በቲ ዘፈር ንግዲ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲን፣ ቲን ናምበርን ከቕርብ ዝኽእል

2 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ ዘለዎ

3 ናይ ወርሒ መስከረም ቫት ዲክሌር ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል

4 ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ቫት ተመዝጋባይ ሰርቲፊኬት ከቅርብ ዝኽእል

5 መጠን መኸበሪ ጨረታ ብር 10000.00 ብሲፒኦ ወይ ብጠረ ገንዘብ በባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 ብምክፋል ካብ ዕለት 27/02/2011 ዓ/ም ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ ዕለት ጀሚሩ ከሳብ ዕለት 13/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረትን ብምውሳድ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ዝተውሃቦ ሰነድ ጨረታ ኦርጂናል ምስ ስፔስፊኬሽን በዘይ ምንም ምጉዳል ማህተምን ፊርማን ብምዕራፍ ኣብ ሓደ ፖስታ፣ ናይ ዋጋ ዝተመልኣሉ ሰነድ ኮፒን ኣብ ካልእ ፖስታ ከእትው ኣለዎም።

7 እቲ ጨረታ ሳንዱቅ ዕለት 13/03/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ይኽፈት።

8 ተጫረቲ በዘይ ምርካቦም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖሰታ ኣይህሉን።

9 ቤት ፅሕፈተና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፈል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

10 መጫረቲ  ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ገዜ 45 መዓልቲ ይኸውን።

11 ቤት ፅሕፈትና 20% ናይ ምውሳኽ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12 በናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ከተማ ማይጨው ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናነስ ስቶር ከምፅእ ዝኽእል

13 ሰዓራይ ዝኾነ ትካል ንሓደ ዓመት ውሕስና ክህብ ዝኽእል  

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-770196/0252/1234 ምሕታት ይከኣል።

መመለስ
የጨረታ ምድብ