ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ሰዓርቲ ሊዝ ጨረታ ቑፅሪ 55 ነፂሩ ኣሎ፡፡ ስለዚ ሰዓርቲ ካብ 22/10/2007 ዓ/ም ክሳብ 19/10/2007 ዓ/ም ኣብ ዘሎ 10ተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ቀሪብኩም ቕድምያ ክፍሊት ብምፍፃም ውዕሊ ክትኣስሩ ናይ ተጠቃማይነት ምስክር ወረቐትን ሳይት ፕላንን ክትወስዱ እናገለፅና ኣብ ዝተጠቀሰ እዋን ቀሪቦም ግቡኦም ኣብ ልዕሊ ዘይፈፀሙ ሰዓርቲ ብመሰረት መምርሒ ሊዝ ስጉምቲ ከምእንወስድ ነፍልጥ፡፡ ብካልእ ወገን ድማ 1ይ ደረጃ ሰዓራይ ውዕሊ እንተዘይፈፂሙ 2ይ ደረጃ ሰዓራይ፣ 2ይ ደረጃ ሰዓራይ ውዕሊ እንተዘይፈፂሙ ድማ 3ይ ደረጃ ሰዓራይ ብናይ 1ይ ደረጃ ዝሰዓሮ ዋጋን ሐዚ ክከፍሎ ዝወሰኖ ቅድሚያ ክፍሊት መሰረት ውዕል ንምእሳር ዝከኣል ኮይኑ እዚ ዝፍፀም ድማ 2ይን 3ይን ደረጃ ሰዓርቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ብማመልከቻ እንተመልክቱ እንተለው ጥራሕ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ብዛዕባ ውድድር ሊዝ ሓበሬታ እንተደልዩ ብመርከብ ሓበሬታ http://www.mekelleadministration.gov.et; http://www.mekellecity.gov.et ከምኡ እውን http://www.milkta.com ከተማ መቐለ ምርኣይ ይከኣል፡፡
ምስ ሰላምታ
ኣለም ግርማይ ገ/ፃድቅ
መ/ከ/ስ/መ/ም/ማንጅመንትን
መመለስ