ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ንአብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለየ ናዉቲ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ሎት 1 መሳርሒ ፅሕፈት

ሎት 2 አቁሑት ኤለክትሮኒክስ ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተወዳደርቲ ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት ክተማልኡ አለኩም

1 ናይ ዘበኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም

2 ቲን ነምበር ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት መስክር ዘለኩም

3 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን ናይ እዋኑ ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ሰነድ ጨረታ ካብ 14 ጥሪ 2010 ዓም ክሳብ 30 ጥሪ 2010 ዓም ሰነድ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ክፍሊ ግልጋሎት ዕዳጋ እናመፀፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዓሺግኩም ክሳብ 30 ጥሪ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ

6 እቲ ጨረታ 30 ጥሪ ዓም ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡45 ድሕሪ ቀትሪ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ከምኡዉን ዝተማለአ ሰነድ እነተቅሪቡ ይክፈት

7 መክበሪ ጨረታ 3000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብ ሲፒኦ ጥራሕ ክተትሕዙ እትክእሉ

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9 ዝኮነ ይኩን ተጫራታይ መምርሒ ጨረታ አካል ዉዕል ምካኑ ፈሊጡ ክቅርበ አለዎ መተሓሳሰቢ መክፈቲ ጨረታ ኣብ መቀለ ዞባ ደቡብ ምብራቅሓዱሽ ህንፃ ይከዉን ንተወሳኪ ሓበሬታብቁፅሪ ስልኪ 0345540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

መመለስ
የጨረታ ምድብ