ስለዚ ብቢዝምልከተኩም ዘርፊ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደሊዩ ሕጋዊያን ነጋዶ ዝስዕብ ረቆሓ አማልእኩም ክትወዳደሩ ቤት ፅሕፈትና ብክብሪ ይዕድም:
- ናይ 2009 ዓም በቢዘርፉ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቑፅሪ(Tin No) ዝሓዝኩምን
- ቫት ማለት ዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ ሰርትፊኬትን ናይ ወርሒ ሓምለ ሒሳብ ዝረገርሉ መረዳእታ
- ኣብ መንግሰቲ ንክትጫረቱ ዝተሐደሰ ናይ መቕረበይነት ሰርትፊኬት መረዳእታ ዝሐዝኩም::
- ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ንብረት በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ብደብዳቤ ተገሊፅለኩም ዉዕሊ ካብ ዝአሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ አብ ዉሽጢ 10ተ መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ንብረት ብበዓል ሞያ ኣፈቲሹ ናብ ትካልና ኣታዊ ክገብር ዝክእል::
- ተጫረቲ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ አብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ አስገደም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 03 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዲቅ ክተእትዉ ከምትክእሉ::
- ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ ብር 30.00 /ሳላሳ ብር / ንሕድሕድ ሎታ በቢዝምልከተኩም ዘርፊ እንኸፈልኩም ካብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኣስገዶም ዕ /ሓሙስ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምር ቢሮ ቁፅሪ 03 ካብ ዕለት 01 /02/ 2010 ዓ/ም ክሳብ 15/02/ 2010 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ::
- እቲ ጨረታ ዕለት 16/02/ 2010 ዓ/ም ሰዓት 8:40 ኣብ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ /ስላሴ ኣስገዶም ዕ/ሓሙስ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረክብሉ ይኽፈት::
- ተጫረቲ በቢ ዝምልከተኩም ዘርፊ ናይ ጨረታ ዉሕስና መከበሪ ንመሳርሒ ፅሕፈት3000 ቅርሺ ንፅሬት አቁሑት 1000 ቅርሺ ንኤለክትሪክ አቁሑት 3000 ቅርሺ ንኮምፒተር አክሰሰሪ 2000 ቅርሺ ንህንፃ መሳርሒ 4000 ቅርሺ Â ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ክተትሕዙ ይግባእ::
- ትካልና መጠን ዝግዛእ ንብረት 20 % ክዉስክ ወይ ክቅንስ ዝኽእል ምኮኑ::
- ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልዉ እዩ::
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0347730211 ደዊልኩም ሕተቱ::
መመለስ