ምልክታ ጨረታ
ማይጨዉ ቤት ህንፀት ማእኸል ንህነፃ መሳርሒ ዝተፈላለዩ ንብረታት ንሕጊ ተሃነፅቲ ወርክ ሾፕ ጣዉላ ማሽን ( ዝተፈላለዩ ማሽናት ኣቁሑትን) ንላይብረሪ ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ መፃሕፍትን ኣዋጃትን ክዕድግ ስለዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም መቅረብቲ ንክትጫረቱ ንፅዉዕ::
ነጋዶ ከማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ
1 ኣብ ናይ ህንፃ መሳርሒ ንብረታት ዝጫረት ተወሳኺ እሴት ታክሲ /ቫት /ተመዝጋቢ ዝኾነ:;
2 ናይ ዝወዳደረሉ ንብረት ዘርፊ ሰራሕ ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ::
3 ቲን ናምበርን ናይ 2007 ዓ/ም ዝተሐደሰ መቅረባይነት መታወቂያ መረዳአታ ከቕርብ ዝኽእል::
4 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 27 /4 / 2007 ዓም ክሳብ 13/05/ 2007 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ ብር 20. 00 (ዒስራ ቅርሺ) ብምኽፋል ካብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ዕ/ፋ/ንብ/ ምም/ ር ክፍሊ ቁፅሪ 5ተ ምዉሳድ ይከአል::
5 መኽበሪ ጨረታ ህንፃ መሳረሒ ንበረታት :ብጥረ ገንዘብ ብር 4000 .00 /ኣርባዕተ ሽሕ ብር/ ንወርክ ሾፕ ናይ ጣዉላ ማሽን ብጥረ ገንዘብ ብር 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሕ ብር ): ንመፃሕፍትን ኣዋጃትን ብጥረ ገንዝብ ብር 2000.00 (ክልተ ሽሕ ብር ) ወይ ካብ ዝተፈለጠ ሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ /ከቕርብ ዝኽእል::
6 እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 27/ 04/ 2007 ዓ/ም ክሳብ 13/ 05/ 2007 ዓ/ም ኾይኑ ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ”ተባሂሉ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ኣበ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ፋ/ዕ/ንብ/ ምም/ ርን ክፈሊ ቁፅሪ 5ተ ምእታዉ ይከአል::
7 ጨረታ ዝዕፀሉ ዕለት 13/ 05/ 2007 ዓ/ም ሰዓት 6:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ንሱ ሰዓት 8:00 ናይ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ይኽፈት ዝተማልአ ሰነድን መኽበሪ ጨረታን እንተቅሪቡ ግና ተወዳደረቲ አብ ዘየለዉሉ እዉን ምኽፋት ይካአል ኢዩ::
8 መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ካብ ዕለት 13/ 05/ 2007 ዓ/ም ክሳብ 18 /05 /2007 ዓ/ም ኢዩ::
9 እቲ ጨረታ ምስተርኣየ አሸናፊ ዝኾነ ተጫራታይ አሸናፊ ምኻኑ ካብ ዝተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ዘሸነፎ ንበረት ንክቕርብ ዉዕል እንተዘይአሲሩ ንጨረታ መኽበሪ ዘተሐዞ ገንዝብ ብመምረሒ ፋይናንስን ዕዳጋን መሰረት ናብ መንግስቲ ኣታዊ ዝኸዉን ምኻኑ ክፈልጥ ኣለዎ::
10 እቲ ዘሸነፎ ንብረት ብናይ ባዕሉ ምጉዓዝያ / ወፃኢ/ ናብ ማይጨዉ ቤት ህንፀት ከረክብ ዝኽእል::
11 እቲ ንብረት ካብ እስፐስፊኬሽን ወፃኢን ፅሬት ዝጎደሎን እንተኾይኑ ዘይንቕበል ምኻና ንሕብር::
12 መስራቤትና ኣብ በዝሒ ንብረት 20 % ናይ ምዉሳኽ ምቕናስን መሰሉ ሕሉዉ ኢዩ::
13 ብተወሳኪ መስራቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ ኢዩ::
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቑፅሪ ስልኪ 0919914018 ወይ 0348770046 /0914106000 ምሕታት ይከአል::
መመለስ