ምልከታ ጨረታ
ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል ስራሕቲ ሓፂን መፂን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስል ዝደለየ ተወዳደረቲ ይዕድም::
ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቆሒ
ናይ ዘመኑ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ንግዲ ፍቓድ ዘሐደስኩምን::
ናይ ግብሪ ከፈልቲ ቑፅሪ ቲን ምምዝጋበኩም መረዳእታ ክተቕርቡ ትኽእሉ::
መኽበሪ ጨረታ ብር 3,000 ስፒኦ/CPO/ ክተትሕዙ እትክእሉ::
ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብሰምዒ ብዝተአሸገ ኤንቨሎፕ ሓደ ዋንኡን ሓደ ቕዳሕን ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 3 አብ ናይ ቢሮ ሰዓት ምእታዉ ትኽእሉ::
እቲ ጨረታ ካብ ታሕሳስ 21/ 2007 ዓ/ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ አብ አየር ዝፀንሕ እንትኸዉን ጥሪ 05/ 2007 ዓ/ም ቅድሚ ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 9:30 ይኽፈት::
መሸነፊ ትካል ብዝተዉሃበ ስፐስፊኬሽን መሰረት ዘቕርብ ::
ተጫራታይ ብስፐስፌኬሽን መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝኽእል ኾይኑ መሸነፊ /መቕረባይ/ ትካል ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር::
መሸነፊ /መቕረባይ/ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ አታዊ ይገብርን ዉሕሰና ንዝድልዩም ኣቑሑት ድማ ዉሕሰና ከቕርብ ዝኽእል::
ነዙይ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ዕዳጋ ቢሮ ቑፅሪ 3 ዘይምለስ ንፅሐፈት መሳርሒ ንፅሬት አቅሑት ብር 30. 00 ብክፋል ምዉሳድ ትኽእሉ::
ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ::
ንተወሳኪ ሐበሬታ ቢሮ ሐለዋ ጥዕና ክ/ ትግራይ ስ.ቁ 251 03 44 40 04 51: 0348409782 ምድዋል ይከአል::