ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ካብ መደበኛ በጀት ን2007 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተመደበልና ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሕተመት : ኤሌክትሮኒክስ : ፅርየት ኣቑሑ ኣወዳድሩ ክገዝእ ይደሊ :: ስለዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ክተማልእዎ ዝግባእ እዞም ዝስዕቡ ረቆሓ እዩም:-
ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ኮይኖም ናይ 2007 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈሉ ንግዲ ፍቓዶም ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ::
ናይ ዝርዝር መቅረባይ መታወቅያ መረዳእታ ዝተሐደሰ ተቕርቡ ትኽእሉ
ቲን ናምበር ዘለዎም::
ተወሳኺ እሴት ታክሲ /VAT/ ዝተመዝገብኩም::
ወርሓዊ ዲክላሬስን ዘቅርብ::
ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምኽፋል ካብ ላዕቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕፋ/ን/ምም/ር ምዉሳድ ይኽእሉ
ተጫረቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ዘዉፀኦ ወፃኢ ምቕራብ /ምዉፃእ / ኣይክእልን ::
ተጫረቲ ኣብ ታሕቲ ዝቀረበሎም መወዳደሪ ሰንጠረዥ ሽምን ክታም ኣድራሻን ማህተምን ብዘይ ምንም ስርዝ ድልዝ ከስፍሩ አለዎም::
ጨረታ ዝወፀሉ ዕለት 28 /03/ 07 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 13/ 03/ 07 ዓም ሰዓት 4:00 ::
ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 13 /03/ 07 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:30 ::
ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ኣድራሻና ጥቃ ሃፅይ ዩዋሃንስ ሙሉእ ቐደማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ::
ንተወሳኺ ሐበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344402420 ምድዋል ይኽእሉ::
ምስ ሰላምታ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ