ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ
- ሕጋዊ ዝኮነ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
- ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይ ዝርዝር ዝተመዝገብኩም
- ናይ 2008 ዓም ግብሪ ዘመን ዝከፈልኩም
- ናይ 2008 ዓም ንግዲ ፍቃድÂ ዘሐደስኩም
- ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝገብቲ ዝኮንኩምን ናይ ወርሒ ሓምለ መረዳእታ
- ቲን ነምበር ዝተመዝገብኩም
- ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዕዝያ ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ንብረት ክፍሊ ክተረክቡ እትክእሉ
- ሰዓርቲ ምካንኩም ምስተፈለጠ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክትኣስሩ እትክእሉ
- ካብ ዝሰዓርኩምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ሕጋዊ ቼክ10 % ክተትሕዙ እትክእሉን
- ናይ መኪናን ሞተር ሳይክልን ሰርቪስ ወይድማ ፅገና ንሓደ ዓመት ዉዕል ክትኣስሩ እትክእሉ
- ኣብዚ ዝተቀመጠ መዓልቲ ወይድማ ዕለት ገደብ እንተሓሊፎም ወይድማ እንተሓሊፈን ኣብ ዉሽጢ ሓደ መዓልቲ 0.1% Â ካብ ጠቅላላ ዝሰዓርዎ ንብረት ዝቅፀዑ ምካኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ካብቲ ዝሰዓርዎ ልዕሊ 10%Â እንተኮይኑ ዉዕሊ ፈፃሚ ኣካል ዉዕሊ ናይ ምስራዝ መሰሉ ከምዘለዎን
- ኣብ እዋን ጨረታ መተኣማመኒ ዝከዉን ብጥረገንዘብ ወይ ብሕጋዊ ቼክ ወይ ብሲፒኦ 16,000 ቅርሺ ክተትሕዙ እትክእሉ
- ኩሉ መረዳእታኩምÂ ቅዳሕ ብምግባር ምስናይ ዋጋ መቅረቢ ሰነድ ብምትሕሓዝ ዓሺጉም ኣብ ሳንዱቅ ክተእትዉ ዋና መረዳእታኩም እተቅርቡን
- ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ን ክፍሊ ቁፅሪ 06 ከፊልኩም ክትወስዱ ንሕብር
- ሰነድ ጨረታ 6 መስከረም 2009 ዓም ክሳብ መስከረም 20 20099 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ይዕድም
- ጨረታ ዝዕፀወሉ እዋን 20 መስከረም 2009 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ረፋድ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ 20 መስከረም 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡30 ይከዉን
- ናይ ሕድሕድ ንብረት ዋጋ ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ጥራሕ ክምላእ ይግባእ
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂÂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታÂ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500149Â Â ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
መመለስ