1 ናይ 2008 ዘመን በቲ ዘርፊ /ናይ ሕትመት/ ዝተሓደሰን ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም
2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለሊ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን ሰርቲፍኬት ክተቅርቡ ትክእሉ
3 ናይ 2008 ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነተ ሰርቲፊኬት ዘለኩም
4 ኣብ ናይ መንግስቲ ግዝኢት ንክትወዳደሩ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም
5 ናይ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ናይ ወርሒ ሐምለ 2008 ዓ/ም ድክለረሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
6 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
7 በቲ ቢሮ ተዳልዩ ዝተወሃበ መዐቀኒ ስፐስፊከሽን መሰረት : ብፅሬትን መጠንን ብጊዜን ብዉዕሊ መሰረት ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልቲ እቲ ንብረት ናብቲ ቢሮ ከረክብ ዝክእል
8 መወዳደደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክህልዎ አለዎ
9 ተጫረቲ ዘይምለስ ንነብሰወከፍ ሎት 50 /ሓምሳ ቅርሺ ብር/ Â እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽ መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረትን ምምሕደዳርÂ ኣብ ኮምፐሌክስ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 179 ካብ 21/12/2008 ዓ/ም ከሳብ 4/ 01/2009 ዓ/ም ሰዓት ቅድሚ ቀትሪ 4:00 ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃእኩም ክተእትዉ ትክእሉ
10 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ 17000 /ዓሰርተ ሸዉዓተ ሽሕ/ ቅርሺ ብ ሲፒኦ(CPO) ወይ ድማ ናይ ባንኪ ወሕስና ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይክእሉ
11 እቲ ጨረታ 4/01/ 2009 ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፁዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ ንብ/ምም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት :: ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ንምክፋት ኣይታዓናቐፍን
12 ኣብ ጨረታ ንከይሳተፍ ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተአገደ ነገዳይ ናይ እግድ ግዚኡ ወዲኡ እግዱ ከይተልዓለሉ አብ መቅረባነት ክወዳደር ኣይክእልን
13 እቲ ዝቀረበ ንብረት በቲ ናይ ቢሮ ዘቅርብ ስፐስፌኬሽን /ሳምፕል/ መሰረት ብስብ ሞያ ተፈቲሹ ርክክብ ይፍፀም
14 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
Â
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344411052 ምሕታት ይካኣል
መመለስ