ምልከታ ግልፅ ጨረታ
ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ሰበኻ ዓዲግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕ/ሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፣ ጥዕና ፣ኣብ ልምዓትን ካልኦትን ማሕበራዊ ፀገማት ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ: ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ቢሮ ትምህርቲ ብሓባር ብምኻን ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቅ ፣ ደቡብ ፣ ማእኸላይ ዝርከባ ወረዳታት ሃገር በቆል ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ:: ብተመሳሳሊ ንዝተፈላለዩ መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወት እናባፀሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ::
በዚ መሰረት ድማ ትካልና: –
ኣብ ከተማ መቀለ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቐሪ ዝኾነ ቀፅሪ ግቢ ዝርከብ ባህር ዛፋ አሪቱ ክሸይጭ ይደሊ ። ነዙይ መሰረት ገይርኩም እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ኣብ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ኣካላት ንክትሳተፉ ንዕድም።
በዚ መሰረት
1. መኽበሪ ጨረታ ብር 20,000.00 (ዕስራ ሽሕ ከተሕዝ ዝክእል)
2. ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ደናግል ደቂ-ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ቢሮ ቑፅሪ 12 ክትወስዱ ቢሮ ቁፅሪ 12 ክትወስዱ ከም እትኽእሉ እናሓበርና ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 26 /1/02018 ዓ/ም ክሳብ 03/02/2018 ብምሳድ ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታው ትገብሩ
3. እቲ ባህር ዛፍ ካብ መሬት 30 (ሰላሳ ሰንት ሜትር) ልዕል ኢሉ ክቆርዕ ዝኸእል
4. ንጨረታ ዝተዳለወ ባሕር ዛፍ ጥራሕ ብናይ ባዕሉ ሓይሊ ሰብ ቖሪፁ ኣብ ውሽጢ 10(ዓሰርተ) መዓልት ቕሪፁ ክወስድ ዝኽእል
5. እቲ ጨረታ ዕለት 03/02/02018 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓዕዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ይኽፈት::
6. ኣብ እዋን ምኽፋት ጨረታ ተወዳደሪት ወይ ሕጋዊ ወኪሎም እንተልዮም ይምረፅ ኮይኑ ግና ተጫረቲ እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ዝኸፈት ይኸዉን
7. ትካልና እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
ድሕሪት