ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ዝተፈላለዩ ናይ ፅሬት ኣቑሑት ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቋሒታት እተማለኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም።
1. ተጫረቲ ናይ መቅረባይ ፍቃድ፣ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN፡ ናይ 2017 ዓ.ም ሕጋዊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ ቫት ተመዝጋቢ
ሰነ ዲክላረሽን ከቅርቡ ዝኸእሉን፣ምዃኖም ከምኡ እውን ናይ ወርሒ
2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ኣብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ።
3. ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ካብ ዕለት 24/01/2018 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ብር 200 /ክልተ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ብምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፣
4. ናይ ጨረታ መኸበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2 ዝተገለፀ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።
5. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ካብ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኸበሪ ዘትሓዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከም ዝግበር ክፈልጥ ይግባእ።
6. ናይ ጨረታ ሰነድ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 24/01/2018 ዓ/ም እስካብ ዕለት 05/02/2018 ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፤
7. ጨረታ ዕለት 05/02/2018 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4” ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ̇ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ናይ ጨረታ ሰነድ ኩሉ ዝክፈት ይኸውን።
8. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional Performance bond/ ከትሕዝ ዝኽእል፣
9. ሰዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ድሕሪ 5 መዓልቲ ኣብ ዘለዉ 5 ተኸታተልቲ መዓልትታ ውሽጢ ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕድርን ቀሪቡ ውዕሊ ክኣስር ይግባእ፡
10. በቲ: ኣብ ተራ ቁፅሪ 10 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪባ ውዕሊ ዘይኣሰረ ሰዓሪ ጨረታ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፍለጥ ይግባእ፡
11. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡
12. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተተደልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምሕታት ይካኣል እዩ፡፡
ድሕሪት