Date 30/05/2025
ቁፅሪ Ref.No DC/2564/10/2025
ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ናይ 2017 በጀት ዓመት ናይ ሰራሕተኛታት ሸሚዝ/Uniform/ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋውያን ትካላት በዚ ሲዒቡ ተዘርዚሩ ዘሎ ረቑሓታት መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ተጫረቲ ናይ መቕረባይ ፍቓድ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/ 2017 ዓ.ም ሕጋዊ ናይ ዝተሃደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ ቫት ተመዝጋቢ ምዃኖም ከምኡ እውን ናይ ወርሒ መጋቢት ዲክላረሽን ከቕርቡ ዝኽእሉ፤
2. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነኣሰ ናይ ጨረታ መኸበሪ ካብ ፋይናንሻል ትካላት ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቕርቡ ይግባእ፤
3. ናይቲ ንብረት ፅሬትን መጠንን ዝምልከት ትካል ብዘቕረቦ ሳምፕልን ዓቐንን ከቕርቡ ዝኽእሉ፤
4. ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ካብ ዕለት 22/9/17 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ብር 100/ ሓደ ሚኢቲ ብር/ ጥራሕ ምኽፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤
5. ናይ ጨረታ መኽበሪ በቲ ኣብ ተራ ቑፅሪ 2 ዝተገ መሰረት ዘየቕረበ ተጫራቲ ካብ ጨረታ ዝስረዝ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፤
6. ናይ ጨረታ ውፅኢት ከይተፈለጠ ንባዕሉ ጨረታ ዘግለለ ተወዳዳሪ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፈልጥ ይግባእ፣
7. ናይ ጨረታ ሰነድ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ዝግበረሉ ካብ ዕለት 23/9/2017 ዓ.ም እስካብ 06/10/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ኣብ ዘሎ ግዜ ይኸውን፤
8. ጨረታ ዕለት 06/10/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንግሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንግሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ እስካብ ዝተረጋገፀ ናይ ጨረታ
9. ናይ ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተፈለጠ ካብ ጠቕላላ ዋጋ 10% ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ውሕስና /unconditional performance bond/ ከትሕዝ ዝኸእል፤
10. ሰዓሪ ጨረታ ውፅኢት ጨረታ ተፈሊጡ ሰዓሪ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ድሕሪ 5 መዓልቲ ኣብ ዘለዉ 5 ተኸታተልቲ መዓልትታ ውሽጢ ናብ ክፍሊ ዕደጋን ንብረት ምምሕድርን ቀሪቡ ውዕሊ ክኣስር ይግባእ፤
11. በቲ ኣብ ተራ ቁዕሪ 10 ዝተገለፀ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ተኸታታሊ መዓልትታት ናብ ትካል ቀሪቡ ውዕሊ ዘይኣሰረ ሰዓሪ ጨረታ ንጨረታ መኽበሪ ዘትሐዞ 2% ናብ ትካል ኣታዊ ከምዝግበር ክፍለጥ ይግባእ፤
12. ትካል ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
13. ተወሳኺ ሓበሬታ እንተተደልዩ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ሳልሳይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 307 ብኣካል ብምቕራብ ምሕታት ይካኣል እዩ፡፡
ምስ ሰላምታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ
ድሕሪት